ኢጣልያዊ
ኢንጅነር ቪርዶ ኣብ ሳሊኒ ኮንስትራክሽን ላዕለዋይ መሃንድስ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ፣ ኣብ ምዕጋት ማይ ስራሕ ኣጓቲትካ ተባሂሉ
መጠንቐቕታ ዝተውሃቦ እንትኾን፣ እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን እንተዘይተሰሪሑ ካብ ስርሑ ክስጎግ ምዃኑ መጠንቐቕታ ከም
ዝተውሃቦ ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ገሊፁ።
ብወገን እቲ እንጂነር ዝተወሃበ መልሲ ግና ብታህዋኽ ዝተዓግተ ማይ፣ ምስ
እዋን ክራማት ዋሕዚ ማይ ሰለ ዝውስኽ ከፍርሶ ዘለዎ ተኽእሎ ስለ ዝዛይድ ቀስ ኢልካን ኣደልዲልካን ምስራሕ ሓላፍነታዊን ሞያዉን
ኣሰራርሓ እዩ ክብል ሓሳቡ ከም ዝገለፀ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ብተመሳሳሊ
ካብ ቤንሻንጉል ከይወፅእና ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ተፈናቒሎም ናብ ቦትኦም ዝተመልሱ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ
ዝኾኑ ብሄር ቤንሻንጉል ብዝተወለዐ ግጭትን ንብረት ናይ ምዉራር ስጉምትን ኣብ ከቢድ መዋጥር ብምውዳቖም ፍታሕ ንኽረኽቡ
ንዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ ዘቕረብዎ ጥርዓን ውፅኢት ከም ዝሰኣንሉ ብምረት ገሊፆም።