ፌዴራል ፖሊስ ቀፅሪ ዩንቨርሲቲ
ጥሒሶም ናብ ዉሽጢ ብምእታዉ ትምህርቶም ዘቋረፁ ተማሃሮ ሕቶኦም ከይተመለሰ ትምህርቶም ብኣስገዳድ ንኽቕፅሉ ኣብ መዕረፊ ክፍሎም
እናኣተዉ ይድብድብዎ ስለ ዘለዉ። ብኹሉ ኣንፈት ብዝበፅሖም ዘሎ ፀቕጥን ምፍርራሕን ተማሃሮ እቲ ዩንቨርሲቲ ኣብ ዝኸፈአ ሂወት
ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ፣
ኣብ ከባቢ ኣርባ ምንጭ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ጨገግ፤ ሳዉላን ቁጫን
ዝነብር ህዝቢ ናይ ተቓወምቲ ዝገልፁ በረርቲ ፅሑፍት (ፋምፕሌት) ተፃሒፎም ተረኺቡ ስለ ዘሎ፣ ዝፀሐፈ ሰብ ኣብ ዉሽጥኹም
ሓቢእኹሞ ኣለኹም። መን ፅሒፍዎ? ትፈልጡ ኢኹም ኣቃልዕዎ። ናብ ሕጊ ክቐርብ ናህትኩም ድጋፍ ንፅበ ኣለና። ሓብሩና እናበሉ ሰብ-ስልጣን ስርዓት ወያነ ማዓልታዊ ኣኼባታት ብምክያድ
ዓቕሉ ኣፅቢበምሉ ኣለዉ ክብል እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
በቲ ተቓዉሞ ዝለዓዕል ፅሑፋት ብመልክዕ ፋምፕሌት ዝብተን ዘሎ ፅሑፍ ተጨኒቖም ኣብ ስግኣት ዝኣተዉ ኣምሓደርትን ኣካላት ፀጥታን እቲ ከባቢ፤
ናብ’ቲ ቦታ ዝኣትዋን ዝወፃን ተሽከርከርቲ ብጥቡቕ እናተፈተሻ ክሓልፋ ግድን ኮይኑ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ካብን ናብን ተንቀሳቕሱ
ዕለታዊ ስራሕቱ ከሳልጥ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ፀገም ወዲቑ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
ብኻልእ ወገን ሰላማዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ሰማያዊ ፓርቲ ጠቕላላ
ጉባኤ ብ15 ግንቦት 2005 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመረ ኮይኑ፤ ነቲ ጉባኤ ዝመርሖ ኢንጅነር ይልቃል ጌትነት ኣብቲ ጉባኤ
ብዛዕባ ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ተቓወምቲ ዉድባትን ብዘይ ቅድመ ኩነት ንኽፍትሑ፤ ካብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ተፈናቒሎም ዳግም
ዝተመለሱ ተወለድቲ ኣምሓራ ጉዳይ፤ ኣብ ዩንቨርሲቲታት ብተደጋጋሚ ዝለዓሉ ባእስታት ንምንታይ ዘላቒ ፍታሕ ዘይግበረሉ ዝብሉን
ካልኦትን ቀንዲ ኣጀንዳታት ኮይኖም፤ ኣብ’ቲ ጉባኤ ትኹረት ተጌርሉ ካብ ዝረኣዩ ነጥብታት ከም ዝኾኑ ካብ’ቲ ዉድብ ዝለሓዀ
ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣብ መወዳእታ
ሓላፊ ሰማያዊ ዉድብ ኢንጅነር ይልቃል ጌትነት ዉድቦም ህዝቢ ፀሊም ክዳን ተኸዲኑ ንኽስለፍ ዝፀወዖ ዓብዪ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ፣
መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ዝእከብሉ ኣብ ኣፍደገ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ
ንቀዳም 17 ግንቦት 2005 ዓ.ም ንምክያድ ፍቓድ ንዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ሓቲቶም ክምለሰሎም ብዘይምኽኣሉ፤ ነቲ
ፍቓድ መሕተቲ ወረቐት ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝገደፍዎን እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ምክያድ ከም ዘይቑጠቡን
ኣረዲኦም።