ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበረ ደርባውን ብሄራውን ዕብለላ ንምንጋፍ ኢሉ ንዕጥቃውዊ ቃልሲ ከም ናይ መወዳእታ
መማረፂ ገይሩ አብ ልዕሊ ፀላእቱ ዘካይዶ ዝነበረ መሪር ተጋድሎ ምእንተ ፍትሒ፤ማዕርነት፤ ዴሞክራስን ንዘበናት አብ ዝባኑ ዓሲሉ ዝነበረ ሕሱም ድኽነት ንምንጋፍን ሓንትን
ምዕብልትን ሃገር ንምህናፅ እዩ ነይሩ፣፣
አብ ሃገርና
አንፃር ዝሓለፉ ስርዓታት አብ ዝተገብሩ ቃልስታት ማእለያ ዘይብሎም ክቡር መስዋእትታት ተኸፊሎም’ዮም፣ እንተኾነ ብመጠን ዝተኸፍለ
መስዋእትን ድሕሪ’ቲ ዝነበረ ዓፋኒ ስርዓት ምእላይ ዝመፀ ለውጥን ምዕባለን ግን። አብዚ እቶ ዝበሃል መሰረታዊ ነገር አይተረጋገፀን
ጥራይ ዘይኮነስ ተስፋ ዝህቡ ምልክታት’ውን ክረአዩ ኣይካኣሉን፣፣
“ትካላት ት.እ.ም.ት ንጥቕሚ ህዝቢ ትግራይ አይወዓሉን” አብ ዝብል ርእሲ
ማእኸል ተገይሩ ብናይ ህ.ወ.ሓ.ት አባል ፖሊት ቢሮን ናይ ት.እ.ም.ት ዳሪክተርን ዝኾነት ወ/ሮ አዜብ መስፍን አብ ዝሐለፈ ሰሙን ንትካላት ት.እ.ም.ትን ካልኦት
ከትከሉ ዝሕሰቡ ዘለው ፋብሪካታትን አመልኪታ ዝሃበቶ ቃለ መሕትት አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዋ ንዕቀት ዘርኢ’ዩ፣፣
ምቕናይ ፅቡቕ‘ዩ
ዋለ ንሓደ ሰሙን ዶ በለ ደራፋይ! እንተቐኒኻ ዘይትሰምዖ ጉድ የለን። ሹመኛታት ህ.ወ.ሓ.ትን ካድረታቶምን ዓመት መፀ ንገዛእ ንህዝብና
ንምትላል ናይ ተስፋ ሕምባሻ እናቖረሱ፤ ብፍላይ ነቲ በብግዚኡ ዘካይድዎ ናይ ይምሰል መረፃታት ከተአናግዱ አብ ዝቀረባብሉ እዋንን
ካልኦት ንስርዓቶም ዕድመ ከናውሑ ይኽእሉ’ዮም ኢሎም አብ ዝአምንሎም ጉዳያትን ካብ ፈለማ ጀሚሮም ከም መስርሕ እናተጠቕሙሉ ምምፅኦምን ሕዚ.ውን ብስፍሓት ይሰርሕሉ ምህላዎምን ዝፍለጥ ሓቂ’ዩ፣፣
ላዕለወይት ካድረ ናይቲ ስርዓት ወ/ሮ አዜብ መስፍን አብ ዝሓለፉ ቅንያት ንትካላት
ት.እ.ም.ት ዘለወኦ ደረጃን ንቕድሚት ክኾነኦ ዝግበአን አመልኪታ አብ ዝሃበቶ ርኢቶ ብፍላይ አብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝርከብ ፋብርካ
ኣዲስ መድሓኒትን አብ ከተማ ዓድዋ ዝተደኮነ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳን ብማኢት ሚልዮናት ክሳራታት ከም ዘጋጠመን አብ ልዕሊ ምግላፀን።
ሕዚ.ውን አብ ትሕቲ ናይ ባንክታት ዕዳ ከም ዝርከባ ተዛርባ።
እዘን ናይ
ህዝቢ ትግራይ ንብረት ከም ዝኾና ዝንገረለን ፋብሪካታት ግን ድማ ንሰበ ስልጣን ወያነን መጫፍርቶምን ጥራይ ዝረብሓ ዘለዋ ትካላት
ንህዝቢ ዘምፅአሉ ለውጢ ከም ዘየለ እናተፈለጠ ከርሱ ብጥሙዩ እናሃለወ ከም ዝፀገበ ተገይሩ ይውሰድ ብምህላው ብዓይኒ ካልኦት ዜጋታቱ ተፀላኢ ክኸውን
ገይርዎ’ዩ፣፣
ትካላት ት.እ.ም.ት
ንዘይተአደነ ክሳራታት ዝቃላዓ ዘለዋ ምኽንያት እንታይ’ዩ እንተደአ ተባሂሉ መልሱ ሓደን ሓደን’ዩ፣ ንሱውን ጥቡቕ ክትትል ሰራሕተኛታት
አብ ዘይብሉ፤ ቀፃላይን ተኸታታልን ናይ ኦዲት ቁፅፅር ስራሕቲ ኣብ ዘይካየደሉ፤ ብሓፈሻ ከም በዓል ዋና ኮይኑ ከመሓድር ዝኽእል
መሪሕ አካል ብዘይምህላው ካብ ሓደ ፋብሪካ ጥራይ ልዕሊ 9 ሚኢቲ ሚልዮን ብር ክሳራ ከጋጥም ትፅቢት ዝግበር ከም ዝኾነን። ክሳብ
ክንደይ ዝአክል አብ ትካላት ት.እ.ም.ት ግዕዝይና ተስፋሕፊሑ ከም ዘሎን ዘረድእ’ዩ፣ እዚ ንኣስታት 17 ዓመት ብስርቅን ምጥፍፋእን
መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት. ባኺኑ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ንብረትን ብብሊዮናት ዝግመት ገንዘብን ድማ ንመራሕቲ’ዚ ትካል ካብ ተሓታትነት
ዘድሕኖም ኣይክኸውንን፣፣
ላዕለወይቲ
መራሒት ውድብ ህ.ወ.ሓ.ትን ዳይሪክተር ትካላት ት.እ.ም.ትን ወ/ሮ አዜብ መስፍን። ፋብሪካ ዓለባ አልመዳ ሕዚ.ውን ገና ካብ ዘለዎ
ሽግር አይተላቐቐን፤ ነዚ መፍትሒ ንኽግበረሉ ድማ አብ ፃዕሪ ኢና ንርከብ አብ ዝበለትሉን ብሓፈሻ ናይ ት.እ.ም.ት ትካላት ብውልቀ
መራሕቲ ሕ.ወ.ሓ.ት ይጓሓል ኣብዘለሉ እዋንን ሕዚ.ውን አብ ትግራይ ተወሰኽቲ ናይ ሓፂንን ከሚካልን ፋብሪካታት ክትከላ እየን ምባላ።
ጁባ መራሕቲ ማ.ሌ.ሊ.ት በተን ዝፀንሓ ትካላት ክዓግቡ ስለ ዘይከአሉ ሕዚ’ውን ተወሰኽቲ ናይ ስርቅን ምጭብርባርን ማእኸል ትካላት
ክቖማ ምግባር። ዕላምኡ ንምንታይ ምኻኑ ብንፁር ዝፍለጥ’ዩ፣፣
እንተ ህዝቢ
ትግራይ ግን ካብዘን ትካላት እዚአን ዋላ ሓንቲ ረብሓ ከም ዘይረኸበለን ብዝግባእ ስለ ዝርዳእ ነቲ ብወያነን ካልኦት መሻርኽቱን
ንመረፃ 2007 ዓ/ም አብ ግምት የእትዮም ዝግበርዎ ዘሎው ናይ ይምሰል መደናገሪ ጎስጓሳት ቦታ ከም ዘይህቦ ዘጠራጥር አይኮነን፣፣
ትካላት ት.እ.ም.ት’ውን ወያነን ሰዓብቱን ካብ ዝፋኖም ከይተአልዩን ሓቀኛ
ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓት ከይተጋህደን ትካላት ት.እ.ም.ት ንቐፃሊ’ውን እናኸሰራን ዕንወተን እናተጋህደን ከም ዝኸዳ ዘተሓትት አይኮነን፣
እንተምታይሲ ሕድሪ ህዝቢ ተቐቢሉ ዝሰርሕ በዓል ዋና አብ ዝተሰአነሉ፤ ግልፅነትን ተሓታትነትን አብ ዘይብሉ ግዑዙይ ምሕደራ ኣብዘለሉ
ኩነታት ኮይንካ ከስቢ ምምፃእ ስለ ዘይከአል፣፣