Wednesday, October 23, 2013

ኣብ ዞባ ኣዊ ዝርከባ ኣርባዕተ ወረዳታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 2005 ዓ/ም ባጀት ዓመት ዝለዓለ ብኽነት ገንዘብን ንብረትን ከም ዝተፈፀመ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ሓቢሮም፣




ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳታት እንጅባራ፤ ጃዊ፤ ኣንከሻን ቲሊሊን ካብ ነሓሰ 2005 ዓ.ም ክሳብ 9 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ፌዴራል ኦዲት ዝተዉፃፅኡ ሰብ ሞያ  ኣብ ዘካየድዎ ምርመራ ኣብ ኣጠቓቕማ ባጀት ዓመት 2005 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ገንዝብን ንብረትን ህዝቢ  ዝለዓለ ምጥፍፋእን ክሳራን ከም ተፈፀመ ኣካል እታ ኣፃራይት ኮሚቴ ዝኾኑ ኣቶ ኣስራደ ከፋለን ኣቶ ኣማረን ዝተባሃሉ ሰብ ሞያ ምግላፆም ተፈሊጡ፣

እቲ ኣብ ባጀት ዓመት 2005 ዓ.ም ብኽነት ካብ ዝተፈፀመሎም ቀንዲ ተግባራት። ዉዕል ኣበል ካብ መጠን ንላዕሊ ወፃኢ ምግባር፤ ነቲ ወረዳ ግልጋላት ክዉዕል ዝተዓደገ ንብረት ንዉልቃዊ ጥቕሚ ምዉዓል፤ ዝዕደጉ ሃለቕትን ቀወምቲን ኣቁሑ ምስ ሸጥቲ ትካላት ተመሻጥርካ ምስ ህሉዉ ዕዳጋ ብዘይመጣጠን ዋጋ ከም ዝተዓደገ ኣምሲልካ ገንዝብ ህዝብን ሃገርን ወፃኢ ብምግባር ምጥፍፋእን ካልኦትን ግዕዙይ ተግባራት እተን ኣብያተ ፅሕፈት ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ኣረጋጊፆም፣
ሓለፍቲ እተን ኣብያተ ፅሕፈት ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ምፅራይ ብዝግባእ ፀፊፉ ንኸይሳለጥ ብዝከኣሎም ዓቕሚ ዓንቀፍትን መደናገርትን ካብ ዝኾኑ ንምጥቃስ።-
*         ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ኣቶ ኣስቻለዉ
*       ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ደቀቕትን ኣናሽተይን ኢንተርፕራይዛት ኣቶ ኣስረስ
*        ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ንግድን ትራንስፖርትን ኣቶ ሞላ
*         ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሲቪል ሰርቪስ ወ/ሮ ምትኬ
*         ኣቶ ስማነህ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኦዲት ሰነዳት ናብ ምርመራ ክቕርብ ፈቓደኛ ዘይምዃኑ ብልዕሊኡ ዘለው ሓለፍቲ ዞባን ክልልን ኣብ’ቲ ምጥፍፋእ ኢድ ስለዘለዎን ንዐኦም ተኣማሚኑ ይሕንግድ ከም ዘሎን ካብ ፈለጥቲ ምሽጢር እቲ ምርመራ ኦዲት መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ኣረዲኦም፣