ኣብ’ቲ
ካብ 3 ጥቅምቲ ክሳብ 8 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ኣብ ዉሽጢ ዳሞት ሆቴል ዝርከብ ኣደራሽ ኣብ ዘካየድዎ
ኣኼባ ብተቓወምቲ ዝግበር ምንስቓሳት ንዝምልከቶ ኣካል ዝሓበረ ዉልቀ ሰብ ኣብ ዉሽጢ ከተማ መሰርሒ ገዛ ዝኸዉን ዝተመረፀ ቦታ ክንህቦ ኢና ክብሉ ኣመራርሓ እቲ ዞባ
ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ዝተዛረቡ እኳ እንተኾኑ። ብወገን ህዝቢ ግና ዝኾነ ይኹን ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዘይሃቦም እቲ ዝተረኸበ
ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
ካብ
ክልል ኣምሓራ እንከይወፃእና። ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ህንፀት ኮርፖሬሽን ‘ህብር’ ሽኮር
ፋብሪካን ንፕሮጀክት ጣና በለስን ብሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈቶም እናተገደዱ ብጉልበት ዝሰርሕሉ ብርክት ዝበለ መዓልቲታት ተፀብፂቡ
ዋጋ ድኻሞም ክኽፈሎም ጥርዓን ኣብ ምቕራብ ከም ዝርከቡ ነቶም ሰራሕተኛ መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣