Monday, October 14, 2013

ኣብ ከተማ ሸራሮ መንግስታዊ ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ጠቕሊሎም ብምጥፍኦም ነባራይ ህዝቢ ንከቢድ ፀገም ተቓሊዑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።




ኣብ ከተማ ሸራሮ ንነባራይ ህዝቢ ንፀገም ኣቃሊዐሞ ካብ ዘለዉ ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ሓደ ኮይኑ ካብ ዝጠፍእ ብዙሕ መዓልታት ኣቑፂሩ ዘሎን ክሳብ ሎሚ ቆላሕታ ግይሩ ፍታሕ ዝገብረሉ ኣካል ምስኣኑ ካብ’ታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣

ብፍላይ ከዓ ንነዊሕ ግዜ ክረአ ዝፀንሐ ምቁርራፅ ኔትወርክን ኣግልግሎት ሞባይልን ኣብዚ ሕዚ ግዜ ጠቕሊሉ ጠጠዉ ብምባሉ። ንዕኡ ክከታተሉ ብዝተቐመጡ ኣካላት እቲ ስርዓት ትኹረት ተዋህብዎ ቀፃልነት ዘለዎ ፍታሕ ንኽገብሩ ብነባራይ ሕብረተሰብ ንዝቐረበ ሕቶ ኣወንታዊ ምላሽ ብዘይምርካቡ ህዝቢ ብመንገዲ ወኪላቱ ክሳብ ዞባን ክልልን ንምሕታት ይዳሎ ምሕላው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብምዃኑ ድማ ኣብ’ታ ከተማ ዓመት ዓመፀ እናተጋደዱ ብዝኸዱ ዘለዉ ፍታሕ ዝሰኣኑ ፀገማት ምስ ኢኮኖሚያዉን ማሕበራዉን ናብራ እቲ ሕብረተሰብ ዝተኣሳሰሩ ስእነት ዝስተ ፅሩይ ማይ፤ ምጥፋእ መብራህቲ፤ ምቁርራፅ ኔትወርክን ርክባት ሞባይልን ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ነባሪ ህዝቢ ከተማ ሽራሮ ዓብዪ ሃሰያ እናዉረደ ብምኻዱ። ሰብ ትካላት ንግዲ ምስቲ ርትዓዉነት ዘይብሉ ምኽፋል ግብሪ ተደሪብዎ ንዝኸፈአ ክሳራ ብምቅልዖም ገሊኦም ትካሎም  ዓፅዮም ጠጠዉ እንትብሉ። ዝተርፉ ከዓ ነታ ከተማ እናሓደጉ ይኸዱ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።