Monday, October 14, 2013

ኣብ ከተማ መቐለ ንተቓወምቲ ውድብ ደጊፍኩም ትጉስጉሱ ኢኹም ተባሂሎም ተጨውዮም ዝተኣስሩ ወገናት ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዝኣተዉ ክፍለጥ ከም ዘይተኻእለ ካብ’ታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




 እቶም ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎ ኣባላት ተቓወምቲ ወድብ ዓረናን ኣንድነትን ኢኹም ተባሂሎም ብ27 መስከረም 2006 ዓ/ም ብዕጡቛት ወያነ ተጨውዮም ምስ ተወስዱ ኣበይ ከም ዘእተውዎም ዘይተፈለጡ ዜጋታት ክሳብ ሕዚ ሕጋዊ ክሲ ይኹን ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ኣድራሽኦም ጠፊኦም ካብ ዘለዉ ዜጋታት  መምህር ስዓረ፤  ኢንጅነር ነጋሲ ገብሩ፤ ኣንገሶም ተስፋይን  ወ/ሮ ቅድሳን ኣብርሃ ተጋዳሊት ህወሓት ነበር/ ብካድረታት ወያነ ተጨዉዮም ምስ ተወሰዱ ሃለዋቶም ከም ዘይተፈለጠ  ምንጭታትና ሓቢሮም።

  ብተመሳሳስሊ ኣብ  ዞበ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ሽረ  ቀበሌ 03 ጥቃ እንዳ ጀርመን ሕክምና ብ24 መስከረም 2006 ዓ/ም  ተቓወሚ ወድብ ዓረና ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝኸፈተሉ ኣጋጣሚ ብርክት ዝበለ ነባሪ ህዝቢ ተረኺቡ እንኳዕ ደሓን መፃኹም ብምባል ንዝተሰቐለት ንባንዴራ ሃገርና ኢትዮጵያ ክብሪ ብዝተመልኦ ሰልፊ ጌሩ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ከም ዘስቐላን ተፈሊጡ፣

  ብተወሳኺ ኣብ መንድቕ ቤት ፅሕፈት ዓረና ምልካዊ መንግስቲ ኢህወዴግ ይውረድ፤ ግዕዝይና ይጥፋእ፤ ህዝባዉን ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል ኢና ዝብሉ ንእዋናዊ ግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዘቓልዑ ጭርሖታት ከም ተጠቂዑ ከም ዝነበረ ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።