Monday, October 14, 2013

ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝነብሩ ተማሃሮ መናእሰይ ናብ ምክልኻል ሰራዊትን ፖሊስን ንኽኣትዉ ኣመሓደርቲ እቲ ስርዓት ዝተፈለለይ ጎስጓሳት ኣብ ምክያድ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።




እቶም ንመናእሰይ ኣደናጊሮም ክምልምሉ መምርሒ ዝተወሃቦም ኣመሓደርት ናይቲ ከባቢ። ንመናእሰይ ተማሃሮ ብፍሉይ ጉዳይ ተደሊኹም ኣለኹም  እናበሉ በብዉልቆም ናብ ቤት ፅሕፈቶም እናፀዉዑ መንግስቲ ስራሕ ዕድል ፈጢርልኩም ኣሎ ተጠቐምሉ ፅባሕ ንጉሆ ስራሕ ስኢና ከይትብሉ። ታዕሊም ምስ ወዳእኹም ብዙሕ ንዓኹም ዝጠቅም ብመንግስቲ ዝተዳለወ ዓቕምኹም ዘዕቢ ዕድላት ኣሎ ብምባል ኣታሊሎም ክኸትብዎም እኳ እንተፈተኑ። ዝሓሰብዎ ስለ ዘተሳኸዐሎም ኣብ ጭንቕንቕ ከም ዘለው ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

 ዕሱባት ኣመሓደርቲ ወያነ ንመናእሰይ ሸራሮ ንምትላል ዝጥቀምሉ ዘለዉ ዘይሓላፍነታዊ ሜላታት ኣብ ኣገዳስን ዉሑስ ቦታን ክትምደቡ ኢኹም፤ ኣብዚ ሕዚ ግዜ መንግስቲ ብዙሕ ወፃኢ ጌይሩ ሞያታት ከሰልጥን እንተሓሰበ ንዓኹም ብፍሉይ ተቐቢሉ ነባሪ ሞያ ከምህረኩም ምድላዋት ወዲኡ ይፅበየኩም እዩ ዘሎ፤ ዝተወሰነ ግዜ ኣብ ዉትድርና ምስ ኣገልገልኩም ድማ ዋላ 7 ዓመት ኣይትምልኡ ዕቤትን መዓርግን ክዋሃበኩም እዩ፤ ከም ቀደም ከይመስለኩም ሎሚ ምዕቡል ኣተሓሕዛን ክንክንን ኣብ ዉትድርና ስለዘሎ… ወዘተ ብዝብሉ  ናይ ምድንጋር  ፕሮፖጋንዳታት ከዕሽዉ ፅዒሮም ተቐባልነት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ገሊፁ፣

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ተወለድቲ ትግራይ ጠፊኦም ብዝብል። ንዕኦም ንምትካእ ኣብ ከተማ ሑመራ መንእሰይ ተማሃሮ ናብ ዉትህድርና ንኽምልመሉ መጠነ ሰፊሕ ጎስጓስ የካይድ ከም ዘለዉ። ግን ድማ ብወለድን መንእሰይን ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ኣብ ዝሓለፈ ዜና ገሊፅና ምንባርና ይፍለጥ፣