Monday, October 14, 2013

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ፀብሪ ዘምህሩ መምህራን ብተደጋጋሚ ገንዘብ ንኽኸፍሉ ዝቐርበሎም ዘሎ ሕቶ ከም ዝተቓወምዎ ምንጭታትና ሓቢሮም፣




እቲ ብ19 መስከረም 2006 ዓ/ም  ኣብ ማይ ፀብሪ ዝርከቡ መምህራን ብካድረታታ ወያነ ኣብ ዝተገብረሎም ኣኼባ።  ዝተፈላላዩ መዋጮ ክኸፍሉ ከም ዘለዎም ዝቐረበሎም ሓሳብ ከም ዝነፀግዎን ምስቲ ናይ መነባባሮ ክብርን  ብሰንኪ መወዳእታ ዘይብሉ ክፍሊትን እቲ ዝኽፈለና መሃያ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ክኣኽለና ስለ ዘይከኣለ ኣብ ከቢድ ፀገም መነባባሮ ወዲቕና እናሃለና ኣይንኸፍልን ክብሉ ከም ዝተቓወምዎ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

    እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ መምህራን ነቲ መዋጮ ንኽኸፍሉ ዝቐረበሎም ሓሳብ በብተራ ኣብ ዘቕርብዎ ናይ ተቓዉሞ ዘረባ። ብጉልበትናን ፍልጠትና ሰሪሕና ዝኸፈለና መሃያ ንባዕልናን ስድራናን ዘይኣክል መሃያ ወገሐ ፀበሐ ብንእዝዞ ንመገደቢ ኣባይ፤ ንፋዉንደሽን መለስ፤ ናይ ኣባል ወድብ፤ ናይ ልምዓት ትግራይ፤ ናይ ማሕበር መምህራን ናይ ጋዜጣ ወይንን ካልኦትን ዘይተጠቐሱ መዋጮታት ብኣስገዳድ ክፈሉ እናበልኩም። ጥራሕ ኢድና ኣይትርፍኩምና ቤተ ሰብና ዓሪቖምን ፆሞም ይሕድሩን ኣለዉ ክብሉ ተቓዉምኦም  ብምረት ከም ዘስምዑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣

እቶም ኣብ ማይ ፀብሪ ንመማህራን እት ከባቢ ብምእካብ መዋጮ ከክፍሉ ዝኸዱ ልኡዃት ኣብ ስልጣን ናይ ዝርከብ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ካድረታት ዝኾኑ  ኣብቲ ዝነበረ መድረኽ  “ንሕና ባዕልና ንፈትሖ ነገር የለን ኣኽፍሉ ተባሂልና ስለ ዝተለኣኽና ክትከፍሉ ጥራይ ኢና ንፅበየኩም” ምስ በሉ፣ ብርክት ዝበሉ ተኣከብቲ መምህራን ካብ ሕዚ ንደሓር ኣባልነትና ኣዉርድና ኣለና ብምባል ነቲ መድረኽ ረጊፆም ከም ዝወፁ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካብቶም ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ዝወፁ መምህር ሰመረ ገ/መድህን /ኣብ ጣብያ ዲማ ዝምህር ዝነበረ/፤ መ/ር ኣፈወርቅ ኣስመላሽን መ/ር ትዕግስቲ መኮነንን ዝተበሃሉ ከም ዝርከብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።