Tuesday, December 10, 2013

ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታትን ኮለጃትን ዝተመረቑ ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዝጀምርዎ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ይቕፅልዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣




  ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ  ካብ ዝተፈላልዩ ትካላት ትምህርቲ ብድፕሎማን ድግሪን ትምህርቶም ወዲኦም  ብስእነት ስራሕ ሸከም ወለዲን ሃገርን ኮይኖም ከም ዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፤ ኣብ ስራሕ  ምንፃፍ እምኒ (ኮብልስቶን) ክትዋፈሩ ተባሂሎም ድሕሪ ምምዝጋቦም ኣማሓደርቲ እታ ከተማ ሕቡእ ኣጀንድኦም ንምትግባር ምስ’ቲ ስልጠና ዘይኸይድ ፈተና ብምሃብ ክወድቑ ብምግባርን ብግበረለይ ክገብረልካን ሰለ ዘኸድዎ እቶም ተምሃሮ  ድማ  ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራራሓ ብምቅዋም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዘበገስዎ ተቓዉሞ ሕዚ’ዉን ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

       እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቶም ወዲኦም ኣብ  ዕንይንይ ንዝውዕሉ ተማሃሮ ኣብ ስራሕ  ምንፃፍ እምኒ /ኮብልስቶን/ ተዋፊሮም ዕለታዊ መግቦም ክሽፍኑ ተባሂሉ  ዝተወጠነ ስራሕ። ካድረታትን ኣማሓደርትን ከተማ ሸራሮ ግን ንባዕሎም ብዝጠቅም ኣካይዳ ኣብ ውልቃዊ ረብሓታቶም  የውዕልዎ ስለ ዘለዉ።  እዞም ተማሃሮ ድማ ፍታሕ  ንኽግበረሉ ብ27 ሕዳር 2003 ዓ/ም ዘበገስዎ ተቓውሞ ኣወንታዊ ምላሽ ክሳብ ዝረኽብሉ ሕዚ’ዉን ኣጠናኺሮም ድምፆም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ፣