Friday, December 27, 2013

ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኢህወዴግ ነቲ ዘሎ ቅልዉላዉ ክብሪ ነዳዲ ባዕሉ የጋድዶ ከም ዘሎ ምንጭታትና ገሊፆም፣




ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዋጋ ነዳዲ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ከዓ ነቲ ፀገም ኣብ ክንዲ ምፍታሕ። ብኣንፃሩ ባዕሉ ዝዉንነን ትካላት መከፋፋሊ ነዳዲ ተዓፃፃፊ ዋጋ ወሲኸን ክሸጣ ብምግባር። ነቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋ በቢመዓልቱ እናወሰኸ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ በፂሑ ከም ዘሎ ኣረዲኡ፣
ብፍላይ ነባራይ ሕብረተሰብ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጠም ዘሎ ምቁርራፅ ኤሌክትርክ። ዋጋ ነዳዲ ድማ በቢመዓልቱ ብተዓፃፃፊ እናወሰኸ ብምኻዱ መዓልታዊ ሂወቱ ንምምራሕ ተፀገሙ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
 ህዝቢ መረረቱ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ምምሕዳር ኣቕሪቡ ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ፍታሕ ክርኽበሉ ከም ዘይከኣለ ንነበርቲ መሰረት ብምግባር እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዱኡ፣
ነቲ ምዉሳኽ ዋጋ ነዳዲ ስዒቡ ኣብታ ከተማ ካብን ናብን ዘመላልሳ ህዝባዊ መጎዓዝያ ካብቲ ዝፀነሐ ክፍሊት ክዉስኻ ግድን ኮይንወን ስለ ዘሎ። ነባራይ ህዝቢ እቲ ሓደ ፀገም ከይተፈተሐ ካልእ ፀገም እናተደረቦ ንቅልዉላዉ መነባብሮ ተቓሊዑ ከም ዝርከብ ኣብ እቲ ሓበሬታ የረድእ፣