Monday, December 9, 2013

ኣብ ሑመራ ከባቢታት ራዉያንን ሉጉዲን ብሽም ፀረ ሽፍታ ተዋፊሮም ዝርከቡ ፌዲራል ፖሊስን ምልሻን ካብ ህዝቢ እናመንዝዑ ዉልቃዊ ሃፍቶም ኣብ ምኽዕባት ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ገሊፆም፣




ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከባቢታት ራዉያንን ሉጉዲን ካልኦት ቦታታትን ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳንን መዓልታዊ ዝመላለሱ ነጋዶ። በቶም ፀረ ህዝቢ ዝኾኑ ፌዴራል ፖሊስን መሻርኽቶም ዝኾኑ ንኸብዶም ዝሓድሩ ሚልሻን ብምዃን። ዝሓዝኩሞ ንብረት ብኮንትሮባንድ እዩ እናበሉ መንጢሎም ዝወሰድዎ ንብረት ናብ ሕጋዊ ቦታ ኣብ ክንዲ ዝወስድዎ። ብኣቋራጭ ንምህፍታም ካብ ዘለዎም ክቱር ህርፋን ኣየር ብኣየር ንሓደ ኣብ ማይ ካድራ ዝርከብ ሃለቃ ተኽላይ ዝተባሃለ ሃፍታም መሻርኽቶም ብምሻጥ ምስ ሓላፍቶም ተማቒሎም ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም የዉዕልዎ  ከም ዝኾነ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
ካብቲ ዞባ ከይወፃና ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታትን ኮሎጃትን ተማሂሮም ስራሕ ዝሰኣኑ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ። ኣብ ከባቢ በረኸት መዓልታዊ ብጉልበቶም ሰርሖም ህይወቶም ክመርሑ ዝፀንሑ እንትኾኑ። ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ብዘዋፈሮም ካድረታትን ዕሱባት ሓይሊታት ፀጥታን ብ12 ሕዳር 2006 ዓ.ም ምስ ተቓወምቲ ዉድባት ትራኸቡ፤ ሓበሬታ ተቐብሉ፤ ዝደለይዎ ትሕግዝዎም ከም መንገዲ ትመርሕዎምን እኸለ ማይ ተቐብልዎምን ኣለኹም ዝብሉ ምኽንያታት  ካብቲ ቦታ ብህፁፅ ክለቁ ከም ዘጠንቀቕዎምን ካብ’ታ ዕለት ጀምሮም ሰባት ኣብ ምጭዋይ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣
ካብ’ቶም ብሓልታት ፀጥታ በታ ዕለት ዝተጨወዩ ዉልቀ ሰባ ንምጥቃስ።- ተኽሊት ፀጋይ ካብ መረብ ለኸ ዝኸደን ከበደ መሓመድ ካብ ወሎ ዝኸደን ክልትኦም መዓልታዊ ጉልበት ዝሰርሑ ዝነበሩ፤ ምሕረትኣብ ኪሮስ፤ ገሬ ካሕሳይን ኣግደዉ ሽሙየን ክልትኦም ብመልክዕ ስፈራ ናብ ሩባሳ ሰፈራ ዝተወሰዱ እንትኾኑ። ኣቐዲሞም ካድረታትን ዕጡቛትን እቲ ስርዓት ክጣማመትዎምን ከፋራርሕዎምን ከም ዝፀንሑን ፀልማት ጉልባብ ተጠቕሞም ምስ ጨወይዎም ክሳብ ሕዚ ሃለዋቶም ክፍለጥ ከም ዘይተኸኣለ ናይ ቀረባ መሳርሕቶም  መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ገሊፆም፣