Monday, January 13, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ነጋዶ ግብሪ ዝኸፍልሉ ፉሉጥ ግዜ ብዘይ ምህላዉ መዓልታዊ ክመላላሱ ዉልቃዊ ስረሖም ይሰናኸል ከም ዘሎ ተገሊፁ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ነጋዶ  ከተማ ኣዲስ  ኣበባ  ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሕ ዘሎ ስራሕ ናይ ምትእጉጓል ተግባር ኣመልኪቶም  ከም ዝገለፅዎ ዝተተመነሎም ግብሪ መንግስቲ ኣብ እዋኑ ከይኸፍሉ ሓለፍቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናፈጠሩ ብሎሚ ብፅባሕ  ኮለል የብልዎም ከም ዘለዉን ከም ሰዓቤኑ ከኣ እቲ ባት ተመዝገብቲ ነጋዶ ገደብ ግዜ ይሓልፎም ከም ዘሎ ብናይ’ቲ ስርዓት  ፀገም ንተወሳኺ ቅፅዓት ኣብ ምቅላዕ ከም ዝርከቡ ኣገንዚቦም፣
  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ፀገም ፍታሕ ንኽግበረሎም ጥርዓን ኣብ ዘቕርቡሉ እዋን ድማ ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ፅሕፈትን   ሰራሕተኛታት መኽፈልቲ ግብሪን ተማሻጢሮም ጉቦ ንምቕባል ምእንቲ ክጥዕሞም ቀዳምን ሰምበትን መፂኹም ክፈሉ ስለ ዝበልዎም ነቶም ነጋዶ ዘሻቕልን ዕርፍቲ ዝኸልእን ኮለል ኮይንዎም ምህላዉ ተፈሊጡ፣
 እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ  ጎደናታት ንቱቦ ማይ፤  ንኤሌክትሪክን፤ ምንፃፍ እምኒን ካልእን ተባሂሎም ምስ ተዃዕቱ ብእዋኑ ተሰሪሖም ኣገልግሎት ኣብክንዲ ዝህቡ ተዓፅዮም ንነዊሕ እዋናት  ስለ ዝፀንሑ ዘለዉ ነበርቲ ካብ ናብ ተመላሊሶም ኣብ ዕለታዊ ሰረሖም ከየሳልጡ ዓብዪ ዕንቃፋት ኮይኑ ከም ዝርከብ ንነብርቲ መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣