እቶም
ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ መንእሰያት ናብ ስራሕ ክትዋፈሩ ተባሂሎም ብሞያ ቴክንክን ምንፃፍ እምኒን ድሕሪ ምስልጣኖም፤ ብ26
ታሕሳስ 2006 ዓ/ም ብዛዕባ ጨረታ ዝምልከት ስልጠና ዳግም ክወስዱ ፃዉዔት ምስ ተገብረሎም፥ እቲ ኣቐዲምና ዝወስድናዮ ስልጠና
ኣብ ተግባር ንምውዓል ናብ ስራሕ ክተዋፍሩና ድኣ እምበር፤ ካብ ስልጠና ናብ ስልጠና እናበልኩም ግዜና ኣይተባኽኑ ክብሉ
ዘቅረብዎ ጥርዓን ኣውንታዊ ምላሽ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቶም ብስእነት ስራሕ ሽኽሚ ስድራ ኮይኖም ዝፀንሑ መናእሰይ በቲ ዝወሰድዎ
ስልጠና መሰረት ፀገሞም ንምቅላል ኣብታ ከተማ ዘሎ ክስራሕ ተባሂሉ ባጀት ዝተሰላዓሉ ምንፃፍ እምኒ ብኩንትራት ክዋሃቦም ኣብ
ዝሓተትሉ ዕባራ ምኽንያታት እናፈጠርካ ክሰናኸል እዮም ተዓዚቦም፣
ንሳቶም እቲ ምንፃፍ እምኒ ክሰራሕ ዝግብኦ እዋኑ ሕዚ እናሃለወ ነቲ
ተፈጠረ ስራሕ ዕድል ንዓና ንዘይምሃብ ምኽንያታት እናፈጠርካ ናብ ክረምቲ ክሰጋገር ምግባር ኣገባብ ኣይኮነን ምስ በሉ፤
እንተደአ ናብ ክረምቲ ተሰጋጊሩ ንምስርሑ ኣፀጋሚ ከም ዝኾነን ዝለዓለ ናይ ጉልበትን ፋናንሳዉን ወፃኢ ከም ዝዝሓቲት ገሊፆም፣
መንግስቲ
ብዛዕባ መሃዲስ ኣብ ክንዲ ዝዛረብ እቲ ኩንትራት ስራሕ ተዋህቡና ካብቲ ዝኽፈለና ገንዘብ ባዕልና ማሃንዲስ ቆፂርና ንምንታይ
ክንሰርሕ ዘይግበር እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ በሰረቱ ንሰራሕቲ ይኽይን ነቲ ስራሕ ዉሕስነት ዝህብ ኣይኮነን።
ስለዚ ኣብ ኣገባብ ኣዋሃህባ ስራሕ ንኩሉ ዝጎድእ ግዜ መባኸኒ
ምዃኑ ተፈሊጡ እዚ ናብ ሓደጋ ዘዉድቕ ኣካይዳ ክተርፍ ንዘቕረብዎ
ንፁር ሕቶ ኣግባብ ዘልዎ ምላሽ ከም ዘይረኸብሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ከምዝፍለጥ ብድግሪን ዲፕሎማ ተመሪቖም ሰከም ስድረኦም ኮይኖም ዝርከቡ
ምሁራት ኣዝዮም ብዙሓት ኮይኖም ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ነዚኦም ዕለታዊ ምግቦም ንኽረኽቡ ኣብ ምንፃፍ እምኒ ቅድምያ ክወሃቦም
ኣለዎ ዝብሎ፤ ኣብ ተግባር መፂኻ ግና ብግበረለይ ክገብረልካን
ብዘመድ ኣዝማድን መሰናኽላት እናፈጠሩ የሰናኽልዎ ምህላዎም ተዓዘብቲ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ፣