Friday, March 16, 2018

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ድርቂ ተረዳእቲ ቁፅሪ ወሲኹ 7 ነጥቢ 8 ሚሊዬን ኢትዮጵያውያን ዕለታዊ ምግቢ ከም ዘድልዮም ተገሊፁ።



  ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ተረዳእቲ ቁፅሪ እንትነፃፀር ናይ 37 ሚኢታዊ ብልጫ ከም ዘለዎን ኣብታ ሃገር ዝተኸሰተ ድርቂ እናበኣሰ ብምምፅኡ ምኽንያት፣ ኣብ ዝቕፅል ሓደ ዓመት ውሽጢ 7 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ዝኣኽሉ ዜጋታት ናይ ሰብ ኢድ ተፀበይቲ ኮይኖም ከም ዝዘልቁ ተገሊፁ። ብመንግስትን ለገስቲ ሃገራትን ዝተውሃበ መግለፂ ከም ዘረድኦ፣ ካብ ጥሪ  2010 ክሳብ መፃኢ ታሕሳስ 2011 ን7 ነጥብ 8 ሚሊዮን ሰባት ናይ ምግቢ ሓገዝ ንምቕራብ ካብ ሓደ ቢልዮን ዶላር ንላዕሊ ከም ዘድሊ ተፈሊጡ።
  ኣብ ከቢድ ፀገምን ድርቅን ንዝርከቡ ብሚልዮን ንዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ናይ ሓደ ዓመት ቀለብ ንምሽማት 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ናይ አሜሪካ ዶላር ከም ዘድሊ ምስ ለገስቲ ትካላት ብሓባር ካብ ዝወፀ መግለፂ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ናይ ብሄራዊ ሓደጋ ስግኣት ኣመራርሓ ኮሚሽን ኮሚሽነር ዝኾኑ ኣቶ ምትኩ ካሳ ከም ዝገለፁዎ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ተደጋጋሚ ናይ ድርቂ ሓደጋ እናተኸሰተ ከም ዘሎ ሓቢሮም።
  ቅድሚ ሐዚ ኣብታ ሃገር ዝኽሰት ዝነበረ ድርቂ ናይ 10 ወይ 5 ዓመታት ኣፈላላይ ከም ዝነበሮ ዘዘኻኸሩ እቶም ሓላፊ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ግን ተደጋጋሚ ድርቂ ተኸሲቱ ብዙሓት ዜጋታት እናጥቀዐ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።  ኣብ ኢትዮጵያ እናተኸሰተ ዘሎ ድርቂ ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ናይ ኢኮኖምን ሕርሻን ፖሊሲ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ይገልፁ።  

No comments:

Post a Comment