Friday, February 28, 2014

ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ዝኸፍአ ግዕዝይና ዝፍፀመሉ’ዩ ክብሉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ሰብ ሃፍቲ ተወለድቲ ትግራይ ምዝራቦም ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመኪልቱ።



በመሰረት ምንጭታትና  ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ  ኣይተ ኣባይ ወልዱ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ሰብ ወልቀ ሃፍትን ኢንቨስተራትን ብፍላይ ድማ ንተወለድቲ ትግራይ  ብዕለት 9 ለካቲት 2006 ዓ/ም ኣኼባ ዘካየደሎም እንትኾን ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ኣብ ትግራይ መፂኹም  ንምንታይ ኢንቨስት ዘይትገብሩ ዝብል ሓሳብ‘ኳ እንተኾነ እቶም ተኣከብቲ ብወገኖም ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጉዕዙይ ምሕደራ ሰሪሕኻ ንኽትነብር ዘኽእል ባይታ የለን ክብሉ ኣሉታዊ መልሲ ከም ዝመለሱሉ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ነቲ ኣብ ምምሕዳራ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ጉቦን ወገናውነትን ዝመልኦ ኣሰራርሓ ካብ ካልኦት ክልላት እቲ ዝከፍአ’ዩ  ድሕሪ ምባሎም  ሕዚ’ዉን ኣብ ዝተወለድናሉ ከባቢ ገንዘብና ኣፍሲስና  ንባዕልና ተረብሕና ንሃገርና ከነልምዕን  ወገና ከንሕግዝን  ዘኽእል ባይታ የለን ክብሉ ብምረት ምግላፆም ኣረዲኡ።
ከም ዝፍለጥ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጉዕዙይ ምሕደራ ብዙሓት ወነንቲ  ዓበይቲ ትካላት ዝነበሩ  ነጋዶ ኣሕዋትና  ግዳይ ክሳራን  ዕዳን ኮይኖም  ንድኽነት ዝተቓልዑን  ሃገሮም ገዲፎም ንሰደት ዝውሕዙ ዘለዉን  ብዙሓት እዮም ክብሉ እቶም ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ምዝራቦም ተፈሊጡ።