Saturday, January 19, 2013

ላዕለዎት መራሕቲ ወያነ ኢህወዴግ ናዕቢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓዊ ኮይኑ ከየቃፅሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ምውዳቖም ካብ ዉሽጦም ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ኣብ ዝወፀ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ መብዛሕትኦም ኣባላት ወያነ ንኣካይዳ እቲ ስርዓት እናፈንፈንዎን እምነቶም እናተዳኻመ ይኸይድ ስለ ዘሎ፣ ህላወና ኣብ ኣስጋኢ ብርኪ በፂሑ ክብሉ  ላዕለዎት ሰበስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ  ምዝራቦም ካብ’ቲ ዝተረኸበ ሪፖርት ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እቲ ዝተረኸበ  ናይ ኢህወዴግ ሪፖርት ወሲኹ ከም ዝረድኦ፣ ኣብ ሕድ ሕድ ኣባላት ኢህወዴግ ተፈጢሩ ዘሎ ምልሕላሕ እምነት ንምእላይ ኩሉ ኣባል ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዘለዎ ርክብን ድሕረ  ባይትኡ ክፅናዕን እንተዘይ ተገይሩ ዝወፁ ዘለዉ ሚስጢራዊ ስራሕቲ ኢሕወዴግ ክዕገቱ ተዘይተገሮምን፤ ኢህወዴግ ከም ውድብ ይኹን ከም መንግስቲ ንምቕፃል ሰለ ዘይከኣል፣ በብእዋኑ ዝልዓል ዘሎ ናይ ህዝባዊ ተቓውሞ በትሩ ኣብ ዝባና ዘዓርፈሉ እዋን ሩሑቕ  ኣይኸውንን  ክብሉ ምዝርራቦም ገሊፁ።
 ኣብ መወዳእታ እቲ ሚስጢራዊ  ሪፖርት፣ ብፍላይ ሰራሕተኛ መንግስቲ  ክብሪ መነባብሮን ብመንግስቲ ዝስላዕ ዘሎ መዋጮን ልዕሊ ዓቕሙ ይኾኖ ሰለ ዘሎ ኣብ ኢሕወዴግ ዘለዎ እምነት  ኣንቆልቂሉ ምህላዉ ኣመልኪቱ።