Saturday, December 12, 2015

ኣብ ልዕሊ ጉዱኣት ኣካል ዝበፅሕ ዘሎ ተወሳኺ ጉድኣት!



ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 24 ሕዳር ብደረጃ ዓለም ንመበል 24 ግዜ ብደረጃ ሃገርና ድማ ንመበል 23 ግዜ ኣብ ክልል ትግራይ ከዓ ንመበል 22 ግዜ “ምክታት ወሳኒ’ዩ” ብዝብል መሪሕ ቃል መዓልቲ ጉዳኣት ኣካል ተኸቢሩ ነይሩ። ን24 ግዜ መዓልቲ ጉድኣት ኣካል ክኽበር ከሎ። ኣብ ኣታሓሕዛ ጉዳኣት ኣካል ዘሎ ስርዓትን ኣመለኻኽታን ክንርኢ እንተፈቲንና። ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝወረደ እዩ።

ጉድእ ኣካል ክንብል ከለና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብተፈጥሮ ይኹን ብሰብ ስራሕ ሓደጋ ኣካሉ ንዝጎደለ ኩሉ ብማዕረ ዘካትት’ዩ። ሃገርና ኢትዮጵያ ድማ ካብ'ተን በዝሒ ጉድኣት ኣካል ዘለወን ሃገራት ተጠቃሲት እያ። እዛ ሃገር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዙሕ ጅግና እናተሰውአላ፤ ብዙሕ ብሃገራዊ ፍቕሪ ቃል ቃል ዝብል ወዲ ህዝቢ ዝሰንከለላ ሃገር እያ።

በዚ መሰረት ድማ ካብ ዝኾነ ይኹን ባዕዳዊ ገዛኢ ነፃ ኮይና ልእላውነታ ኣኺቢራ ፀኒሓ እያ፣ ዝሓለፉ ጨቆንቲ ስርዓታት ሃገርና ንምእላይ ኣብ ዝተገበረ ቃልሲ ንባዕሉ ልዕሊ 100 ሽሕ ዝኸውን ጅግና ሰንኪሉ እዩ። ብፍላይ ድማ ትግራይ ንፅል ኣቢልና እንተርኢናያ ምስቲ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ ተታሓሒዙ በዝሒ ጉድኣት ኣካል ዝርከብዋ ክልል’ያ።

እዚ ተዘኪሩ ሓሊፉ ዘሎ በዓል ግን ንጉድኣት ኲናት ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነስ ንኩሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣካሉ ዝጎደለ ዜጋ ዝምልከት ብዓለም ደረጃ ‘ውን ዝበዓል በዓል እዩ። ናብ'ቲ ቀንዲ መበገሲ ፅሑፍና ንምእታው ዝኣክል ብዛዕባ ዓለም ገዲፍና። ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዘለዉ ጉዳኣት ኣካል ኩነታት ኣታሓሕዘኦምን ዝግበረሎም ድጋፍን እንታይ ይመስል ናብ ዝብል እንተመፂና ንኩልና ዘሐንኽ መልሲ ኢና ንረክብ።

ምኽንያቱ እቶም ብጅግንነት ዝሰንከሉ ሓርበኛታት ሎሚ ጠዋሪ ስኢኖም ብስንክልነኦም እናሓፈሩ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ፣ ሎሚ ናይ ጉድኣት ኣካል ዘሎ ክፍቲ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ጎደና ኣንሶላ ዘርጊሕኻ ምልማን ጥራሕ እዩ፣ እዛ ዕድል እዚኣ ዝስእኑላ ኣጋጣምታት 'ውን ተደጋጊሙ ዝረአ ‘ዩ፣ ወፃእተኛታት ክመፁ ስለ ዝኾኑ ኣብ'ዛ ከተማ ከይትረኣዩ ተባሂሎም ብናይ ፅዕነት መኻይን ተሓፊሶም ናብ በረኻ ዝድርበዩ ጉኣት ኣካል ኲናት ብጣዕሚ ብዙሓት እዮም፣

መራሕቲ ኢህወዴግ ነቶም ምእንተ ህዝብን ሃገርን ኢሎም ኣካሎም ዝጎደሉ ጉዳኣት ኲናት እኳ ክሕብሕቡ ዘይካኣሉስ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣካሎም ዝሳኣኑ ወገናት እንታይ ዓይነት ኣታሓሕዛ የጋጥሞም ኣሎ እቲ ንዕዘቦ ዘለና ዘሕዝን ፍፃመ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣስካሕኻሒ ፍፃመ ኣብ ሓደ ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ስርዓት ክፍፀም ዘይትፅበዮ’ኳ እንተኾነ። ኮይኑ ግን ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ጉዱኣት ኣካል ተወሳኺ ናይ ሕልና ስምብራት ዝገድፍ ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።
ወዮ ደኣ ደርሆስያ ብመዓንጣ ደቃ ትፃወት ኮይኑ ‘ምበር እዚ ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ናብቲ ሐዚ ዘለዎ ኮረቻ ስልጣን ክድይብ እንከሎ ኣዕፅምቲ ናይ'ቶም ስንኩላት ከም መሳልል ተጠቒሙ፤ ብውሕጅ ደሞም ኣንሳፊፉ እዩ ክድይብ ክኢሉ። ስርዓት ኢህወዴግ ስልጣን ምስ ተቖፃፀረ ነቲ ተቓሊሱ ደሙ ኣፍሲሱ ናብ ስልጣን ዘደየቦ ህዝብን ጉዱእ ኣካልን ግልፅ ኢሉ ክሪኦ ኣይደለየን።

ጉዳኣት ኣካል ምስ ዘለዎም ስንክልና። ተማሂሮም ብፍልጠቶም ከይሰርሑ ብጀካ እተን ብኣፃብዕቲ ዝቑፀራ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ጥራሕ ዝርከባ ቤት ትምህርቲ ጉዱኣት ኣካል እቲ ዝበዝሕ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዘሎ ጠቒሉ ካብ'ዚ ዕድል እዚ ዝረሓቐ እዩ።

ኣካል ጉዱኣት ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ተቖፂሮም ዝሰርሑ ዜጋታት ብጣዕሚ ውሑዳት እዮም። እቶም ዘለዉ ‘ውን እንተኾኑ መሰሎም ብዘረጋግፅ መልክዑ ምስ ዊልቸር ዝሰማማዕ ህንፃታት ስለ ዘይረኽቡ። መንግስቲ ህዝባውን መንግስታውን ዕዮ ዝካየደሎም ትካላት ክሃንፅ ከሎ ንጉዳኣት ኣካል ብዝሰማማዕ ስለ ዘይሃንፆን ንፀገም ክቃልዑ ምርኣይ ማዓልታዊ ፍፃመ’ዩ።

ካልእ ሕገ መንግስቲ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ዝብሎ ከም ኣብነት እንተወሲና ሓደ ጉድእ ኣካል ተበዲለ እንተ ኢሉ። መረዳእታ ከቕርብ ግዴታ የብሉን። ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ናይ ፍትሒ ኣካል መረዳእታ እንተደልዩ መረዳእታ ከቕርብ ዘለዎ እቲ በዳሊ ኣካል’ዩ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ሃገርና ሓደ ጉድእ ኣካል ብምምሕዳር ተበዲለ እንተኢሉ መረዳእታ ኣቕርብ ስለ ዝብሃል መረዳእታ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከተኣኻኽብ ምስ ኩሉ ፀገሙ ዓቕሚ ስኢኑ ዝሓድጎ ቁፅሩ ብዙሕ እዩ ዘሎ።

ንምጥቕላል እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ንከምስል ን23 ዓመታት ሙሉእ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ብምባል 24 ሕዳር ንብዓት ሓርገፅ እንተነበዐ። ንጉድኣት ኣካል ዝግበረሎም ድጋፍ ዋላ ሓንቲ የለን። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ “ምክታት ኣድላይ’ዩ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዘብዓሎ መዓልቲ ኣካለ ስንኩላን ኣብ ሃገርና ንዘለዉ ንኩሎም ጉዳኣት ኣካል ሃገርና ዝውክል ኣይኮነን።