Friday, August 28, 2015

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ መብራህቲ ጠቕሊሉ ብዘይ ምህላዉ ሰብ ትካላት ንኽሳራ ከም ዝተቓልዑ ብ13 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሓቢሩ።





ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝነብር ህዝቢ ኣብታ ከተማ ጠቕሊሉ መብራህቲ ካብ ዝጠፍእ ነዊሕ ግዜ ኣቑፂሩ ፍታሕ ክግብረሉ ብዘይ ምኽኣሉ ሰብ ሆቴላትን ኣብያተ ምግብን ካልኦት ትካላትን ካብ ስራሕ ጠጠዉ ኢሎም ንክሳራ ይቃልዑ ከም ዘለዉ እናፈለጠ ገዛኢ ስርዓት ዘላቒ ፍታሕ ከምፅእስ ይትረፍ ግዚያዊ ፍታሕ ክገበር ብዘይ ምኽኣሉ ኣምሪሮም ከም ዝተዛረቡ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ገሊፆም።
   ካብቶም ብሰንኪ መብራህቲ ዘይምህላዉ ንክሳራ ምቅልዖም ኣምሪሮም ዝተዛረቡ ሰብ ትካላት፦ ወናኒ ሃፀይ ካሌብ ሆቴል፤ ወናኒ ዳሽን ሆቴል፤ ቃሌማ ቤት ምግብን ካልኦትን ዝርከብዎም ኮይኖም ንሶም ኣብ ሓሳቦም እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ካብ ዝሓለፉ ጨካናት ስርዓታት ኣይፍለን ክብሉ ምዝራቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፖላዊስ ዝተኸደንዎ ደንቢ ክዳን መሸፈኒ እናተጠቐሙ መብራህቲ ክጠፍእ እንተሎ ምስ ለያቡ ተሓባቢሮም ይሰርቁና ኣለዉ ምስኦም ተሓባቢሮም ስለ ዝሰርሑ ክሰርቁ ሒዝና ዘረከብናዮም ብምልቃቕ ተመሊሶም ንተበደልቲ ይኣስሩ ኣለዉ ክብሉ መረረቶም ከም ዝገለፁ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።