Sunday, March 2, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ነጋዶ ዝተሰልዐልና ግብሪ ከፊልና እናሃለና ደጊምና ክንከፍል ንግደድ ኣለና ክብሉ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ይገልፁ ምህላዎም ካብቲ ክባቢ ዝበፃሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ  ኣማሓደርቲ ከተማ ሸራሮ  ኣብ’ታ ከተማ ንዝርከቡ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ነጋዶ ብ9 የካቲት 2006 ዓ/ም ኣኪቦም  ስለምንታይ ግብሪ ዘይትኸፍሉ ብምባል ክግምግምዎም ድሕሪ ምውዓሎም፣  እቶም ተገምገምቲ ነጋዶ  ብወገኖም  ግብሪ ምኽፋል ጉቡእና ምዃኑ ስለ እንፈልጥ ብእዋኑ ከፊልና  ከነብቅዕ  ደግማይ ክንከፍል ተገዱድና ኣለኹም ብምባል ምረቶም ከም ዝገለፁ ተሓቢሩ።
  እቶም ነጋዶ ኣስዒቦም እዚ ተቕርብዎ ዘለኹም ገምጋም ቅንዕና ዘለዎ ዘይኮነስ  ጉቦ ሰለ ዘይሃብናኩም ኢኹም ግብሪ መበገሲ ገይርኩም ድማ ንብረትናን ገንዘብናን ክትወሩና ሰለዝደልኹም ጥፍኣት ዘይብልና እናሃለና ህዝቢ ኣኪብኩም ጥፍኣተኛታት ተምሲሉና ኣለኹም ክብሉ ከም ዝመለስሎም ኣረዲኡ።
ካብቶም ብእዋኑ ግብሪ ከፊሎም እናሃለዉ ዳግም ግብሪ  ንኽኸፍሉ ዝተገደዱን   ብፀለመ ዝነቐፍዎምን ንምጥቓስ ተስፋይ መዝገቦ ወናኒ ሸራተን ሆቴል፤ ኣያሌው ዝተብሃለ ተወላዲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሸራሮ ዝነብር፤ ኣይተ እንባየ ገብረሃወርያ  ካልኦትን ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።