Sunday, March 2, 2014

ወድብ ዓረና ኣብ ዝተፈላልዩ ዞባታት ትግራይ ብምንቅስቓስ ንህዝቢ ጎስጓስ ክገብር ተፈቒድዎ’ኳ እንተነበረ ዴምህት ፋምፕሌት ብምብታኑ ከቋረፅ ከም እተገብረ ተፈሊጡ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ውድብ ዓረና ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ዞባታት ብምዝውዋር ጎስጓስ ንምግባር  ንኽፍቀደሉ ንዝምልከቶም ኣካላት  ዘቕረቦ ጥርዓን  መሰረት ንዕለት 30 ጥሪን ን3 ለካቲት 2006 ዓ/ም  ኣኼባ  ንኽገብር ፍቓድ ድሕሪ ምውፃእ ድሕሩ ግና ነቲ  ጎስጓስ ደው ከብሎ ዳግማይ ትእዛዝ ካብ ሰበ ስልጣን ህወሓት-ኢህወዴግ ከም እተወሃቦ ተገሊፁ።
  እቶም መርሕነት ዉድብ ዓረና ስለ ምንታይ ተኣጊድና ኢሎም  ንዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝሓተትሉ እዋን ካብ ሰበ ስልጣን እቲ ጉጅለ ብዉድብ ዴ.ም.ህ.ት ዝተዳለወ ፋምፕሌት ኣብ ዝተፈላልዩ ዞባታትን ወረዳታትን ብምብታኑ ምኽንያት እዩ ክብሉ ምላሽ ዝሃብዎም እንትኾኑ ዉድብ ዓረና  ግና ዴ.ም.ህ.ት ብዝበተኖ ወረቐት ንሕና ክንእገድ የብልናን ክብሉ ጥርዓን ኣብ ምቕራብ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ብዴ.ም.ህ.ት ዝተበተነ ፋምፕሌት ህዝቢ  ተቐቢሉ ናይ ድሕነት ደብዳበ  መፅዩና እናበለ  ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎን ከም ዘንበቦን ድሕሪ ምግላፅ። ብኣንፃሩ ካድረታት እቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቖም ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።