Wednesday, June 4, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሑመራ ንበዓል 20 ግንቦት ኣይነኽብራን ብምባል ስለ ዝኣደሙ ብፌደራል ፖሊስ ተገዲዶም ክወፁ ከም ዝተገብረ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ በዓል 20 ግንቦት ብደረጃ ክልል ብዕለት 19 ጉንቦት ኣብ ከተማ ሑመራ ዝተብዓለ እንትኾን ነበርቲ ከተማ ሑመራ  ናብቲ በዓል ኣይንወፅእን  ብምባል ስለ ዝኣደሙ  ካድረታት እቲ ስርዓት ድማ ፌደራል ፖሊስ ብምዉፋር ኣብታ ከተማ  ካብን ናብን ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ድዉ ክብላ ብምግባር ነቲ ህዝቢ ኣገዲዶም ናብቲ ብዓል ከም ዘዉፅእዎ ተፈሊጡ።

    ኣብቲ ብዓል ዝተረኸቡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህወሓት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣባይ ወልዱ፤ ምክትሉ ኪሮስ ቢተዉ ፤ሓላፊ ትምህርቲ ቢሮ ጎበዛይ ወለኣረጋይ፤ሓላፊት ስቢል ስርቪስ ትርፉ ኪዳነን ካልኦት ኣዘዝቲ ፖሊስን ናይ ምኽልኻል መኮንናትን ዝተረኸቡ እንትኾኑ 20 ጉንበት ድማ ናብ ደጀና ብምኻድ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ ዓድታት ክሳብ ዳንሻ  እናተዘዋወሩ ብሽም ልምዓት እናወደሱ ህዝብና እንታይ ኮይንካ ትርሕቐና ኣለኻ እንዳበሉ ብምጉስጓስ ንብዓት ሓርገፅ ክነብዑ ከም ዝቐነዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።