Thursday, June 19, 2014

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ነበርቲ ወረዳ ፓዊ በቲ ስርዓት ካብ መረበቶም ይፈናቐሉ ምህላዎም ምንጪታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም፣፣



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና፣ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ፓዊ መንደር 5, 8ን 9ን እናተብሃሉ ዝፅዉዑን ካልኦት ሽሞም ኣብ ዘይተገለፁ ሸሞንተ ቀበሌታትን ክነብሩ ዝፀንሑ፣ ልዕሊ 9 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታትና ፋብሪካ ሽኮር ንምትካል  ብዝብል ምኽንያት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ምድላዉን እግሪ መትከልን በቲ ስርዓት ይፋናቐሉ ምህላዎም ተፈሊጡ፣፣

ዓፋኒ ስርዓት ኢህወደግ ነቲ ናይ ምፍንቃል ስራሕቱ ተግባራዊ ንምግባር ፌደራል ፖሊስን ካልኦት ዕሱባት ዕጡቓቱን  ብምዉፋር   ብኣስገዳድ ንነባሪ ህዝቢ ካብ መረበቱ እናፈናቐለ ስድራቤታት ክረሓሓቑ ብምግባር ናብ ዝተፋላለየ ከባብታት ይብትንዎም ምህላዎም እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፣፣

እዚ ናይ ምፍንቓል መስርሕ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘይስምዖ ግዕዝይና ዝመለለይኡ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ቀፃሊ እዩ ክብሉ ቡዙሓት ወገናት ብምረት ይዛረቡ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣