Thursday, June 19, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ምምሕዳር ከተማ ኮሰበር ናይ ማዘጋጃ ቤት ሓለፍትን ሰብ ሞያን ብግዕዝይና ጠልቅዮም ምህላዎም ካብ’ታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ንኣማሓዳሪ ከተማ ኮሶበር ሓዊስካ ሸሞንተ ኣመራርሓ ልዕሊ 14 ናይ ከተማ ገዛ መስርሒ ቦታ ካብ ሕጊ ወፃኢ ጉቦ እናተቐበሉ ምሻጦም ዝተኸታተለ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ብዝገበሮ ጥቆማ ብፌደራል ፀረ ግዕዝይና ኮሚሽን ታኣሲሮም ከምዘለው ተፈልጡ ኣሎ፣
   እዞም ብግዝይና ዝጠልቀዩ ሰበ ስልጣንን ሰብ ሞያን ብፃዕሪ  ዝተበደለ ህዝቢ ናብ ፍርዲ ዋላ እኳ እንተቐረቡ ተመጣጣንን መምሀራይን ውሳነ ከወሃቦም ከምዘይኽእል ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ይዛረብ ምህላው እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣