Sunday, August 17, 2014

ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ዝነብሩ ሓረስቶት ኣዝመራ ምስ ሓለፈ ንሓደ ኲንታል መዳበርያ ብ1,340 ብር ክዕድጉ ብኣመሓደርቲ ይግደዱ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ምስ ናይ ጣብያ ኣመሓደርትን ካደረታትን ተኣሳሲሮም ንኲንታል መዳበርያ ብ1,340 ብር ከፊሎም ዝዓደጉ ሓረስቶት ሓገዝ እኽሊ ከም ዝወሃቡ መዳበሪያ ዘይዓደጉ ሓረስቶት ከዓ ትሑት መነባብሮ እናሃለዎም ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ካብ መንግስቲ ከም ዘይረኽቡ ንህዝቢ ኣኪቦም ኣብ ፅዑቕ ጉስጓስ የካይዱ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ’ታ ወረዳ ኣመሓዳሪ ዝባን ጒላ ዝኾነ ኣለነ ተስፋማርያም ምስ ጠርነፍቲ ቁሸት ሕብረት ገብረዝጊሄር ክንፈ ቁሸት እንዳ ማርያም ሽሻይ ኣዳነን ቁሸት ጒላ-በሪሁ ገብረገርግስ ፀጓሮን ሽበሺ ገብረዝጊሄርን ብምዃን ነቲ ህዝቢ ኣብ ስራሕ መዓልቲ ኣኪቦም መዳበሪያን ልቓሕን እንተዘይ ወሲድኩም ሓገዝ ዝበሃል ኣይትረኽቡን እናበሉ ክረምቲ ምድሪ ዝርኣቱ ከይፅህን ከይሓፅርን ወቕቱ ዝሓለፎ መዳበሪያ ንኽዕድግ የጨንቕዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።