Sunday, August 17, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ገዳም መስቀል ክብራ ብ27 ሓምለ 2006 ዓ.ም ኣብ ዝተኸብረ ዓመት ባዓል ብዴምህት ዝተበተነ መፅሄት ብስራትን ፋምፕሌትን ብምብታኑ ኣብ ካድረታት እቲ ስርዓት ጭንቀትን ወጥርን ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ነቲ ሃይማኖታዊ በዓል ንምኽባር ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ናብ’ቲ ገዳም ዝመፀ ኣማኒ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ  መፅሄትን ንህዝቢ ኣጆዃ ኣብ ጎኒኻ ኣለና ዝብል ፋፕሌትን ንካድረታት እቲ ስርዓት ድማ መጠንቀቕታ ዝሓዙ ፋምፕሌታት ምብታኑ ዝተዓዘቡ ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣብ ዓብዪ ጭንቂ ስለ ዝወደቑ ንታሕተዎት ኣባላቶም ነቲ ወረቓቕቲ ቀልጢፎም ክእክብዎ ትእዛዝ ብምሃብ ካብ’ቲ ቦታ ቀልጢፎም ተኣልዮም ከም ዝኸዱ ንተዓዘብቲ መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

 ፀጥታ ንምትሕብባር ናብ ቦታ ዝከዱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም እኳ እንተነበሩ እቲ መልእኽቲ ዉድብ ዴምህት ዝሓዘ ፅሑፋት ኣብ ኢድ  ኣብቲ በዓል ዝተረኸበ ህዝቢ ምእታዉ ምስ ተዓዘቡ ክገብርዎ ዝኽእሉ ስጉምቲ ከም ዘየለ ፈሊጦም ነብሶም ንምድሓን ተጓይዮም ከም ዝሃደሙ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ኣመሓዳሪ ጣብያ ዕጉብ ዝኾነ ገብረኣብዝጊ ዝተባሃለ ምስ ምክትሉ ተስፉሁነይ መሰለ ብምዃን ንህዝቢ ኣኪቦም ዴምህት ኣብ ዉሽጥና ኣትዮምና ዘለዉ ምስኦም ክተሓባበር ዝተዋፈረ ኣሎ። ነዚ ክነዉፅኦ ኣለና እናበሉ ነቲ ህዝቢ ዓቕሊ ፅበት ብዝተመልኦ ከፈራርሕዎ ከም ዝወዓሉ እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣረዲኡ።