Sunday, August 17, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ጣብያ ሙሴ ዝርከቡ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ወገናት መንበሪ ገዝኦም ብምምሕዳር እቲ ከባቢ ብሓይሊ ይምንጠሉ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።



እዞም ልዕሊ 20 ዝኣኽሉ  ነበርቲ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ጣብያ ሙሴ ቁሸት ማይ ኣርቃይ ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ወሰን ፅርጊያ መሬት ብሕጋዊ መንገዲ  ተዓዲልዎም መንበሪ ገዛ ስሪሖም ምስ ስድራኦም  ክነብሩሉ ዝፀንሑ ገዝኦም  ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣማሓደርቲ እቲ  ከባቢን መኮነን /ብቡልቱግ ሳጓ/ ዝፍለጥ ዝርከብዎም ፖሊሳትን ብምትሕብባር ነቲ ናይ ድኻታት ዜጋታት ገዛ ብሓይሊ  ብምምንጣል ንሓደ ኣብ ከተማ ሽረ ንዝነብር ወናኒ ሆቴል ዝኾነ  ሃፍታም ከም ዝዓደልዎ  ምንጭታትና ኣረዲኦም።

   እዞም ሓረስቶት ናይቲ ዝተወደ መንበሪ ገዝኦም መተካእታ መስርሒ ዝዉዕል ካሓሳን ንኽወሃቦም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዋላ’ኳ ጥርዓኖም እንተቕረቡ እቶም ኣማሓደርቲ ብወገኖም ሂብናዮም ንመበሊ ነንሕድሕዶም 10 ሽሕ ብርን ቆርቆሮን ከም ዝሃብዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ  እቶም ብዱላት ናይ ክልተ ገዛ ናይ ምድሪ ቤት ማሻሻታ ጥራሕ ምስ ኣንፀፉ እቲ ገንዘብ  ስለ ዝተወደአ ዳግም ገንዘብ ንኽዋሃቦም  ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ ኣይንወሰኸኩምን እንተደሊኹም ሽጥዎ ዝብል ምላሽ ከም ዝሃብዎም ንምፍላጥ ተካኢሉ ኣሎ።

   ካብቶም መንበሪ ገዝኦም  ብሓይሊ ተመንጢሎም  ምስድርኦም ኣብ በረኻ ተደርብዮም ፀሓይን ቁርን እናተፈራረቖም ምስ ቆልዓ ሰበይቶም ዝሳቕዩ ዘለዉ ዜጋታትና ገለ ኣስማቶም ንምጥቃስ ኣይተ በሪሁ ተኽላይ ግደይ፤ ኣይተ ፍስሃ ብርሃነን ካልኦትን  ምዃኖም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።