ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝተፋላለዩ ዞባታትን ወረዳታትን ንክረምታዊ ትምህርቲ
ዝልኣኹ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቅድሚ ሕዚ ናይ 3ተ ዓመት ክረምታዉን ብሓደ ሙሉእ ዓመት ትምህርትን ተማሂሮም ክምረቑ
ምፅንሖም ብምግላፅ ኣብ ሎሚ በፂሑ እቲ ኣሰራርሓ ብሰንኪ ምቕያሩ ኣብ ዉሽጢ መሰልጠኒ ሕርሻ ኮሎጅ ወረታ ዘለዉ ክረምታዊ ተማሃሮ
ተቓዉሞ ከም ዘካየዱ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ሰበ ስልጣን እቲ ኮሎጅ ሎሚ ዓመት ትልሚ ዕቤትን
ስግግርን ዝዛዘመሉን ሃገራዊ መረፃ 2007 ዝካየደሉ ስለ ዝኾነ እቲ ቅድም እንትብል ንክረምታዊ ተማሃሮ ክስራሓሉ ዝፀነሐ ተሪፉ
ኣብ ሽድሽተ ዓመት ክረምታዊ ትምህርቲ ተኻሓሒሱ ምስ ተማሃርኩም ኢኹም ትምረቑ ስለ ዝተብሃሉ በዚ ተቖጢዖም ተቓዉሞ ብምልዓሎም ስዒቡ
እቶም ተምሃሮ ካብ ዝሰርሕሉ ኣብያተ ፅሕፈት ከም ዝባረሩ ምስ ተነግሮም ፈሪሖም ናብ’ቲ ኮለጅ ከም ከም ዝተመለሱ ተፈሊጡ።