Sunday, September 7, 2014

ገዛኢ ዉድብ ህወሓት-ኢህወዴግ ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ማይጨው ዩኒቨርሲቲ ክስራሕ ከም ዝኾነ እምነ ኩርናዕ ኣቐሚጡ ከብቅዕ ሕዚ ገዲፈዮ ስለ ዝበለ ነዚ ዝተቓወሙ ነበርቲ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ማይጨዉ ኣመራርሓ ገዛኢ ዉድብ ኢህወደግ ንኸምስሉን ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ምብፃሕ ስራሕ ኣብ ዝገብረሉ ንህዝቢ እታ ከተማ ኣኪቦም ንዝቕፅል እዋን ባጀት ተመዲቡ ደረጅኡ ዝሓለወ ዩኒቨርሲቲ ክስርሓልኩም እዩ ብምባል እምነ ኩርናዕ ኣቐሚጦም ከብቅዑ ሕዚ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ገዲፍናዮ ኣለና ብምባሎም ዝተቖጠዐ ነባሪ ህዝቢ ብ18 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ተቓውምኡ ሰላማዊ ብዝኾነ ኣገባብ ብምግላፁ ጥራሕ ኣካላት ፀጥታ መለዓዓልቲ ኢኹም ብምባል 9 ንፁሃት ዜጋታትና ኣሲሮም የሳቕይዎም ከም ዘለው ኣረዲኡ።
   መላእ ሕብረተሰብ እታ ከተማን ከባቢኣን ብዝተኣተወ መብፅዓ መሰረት ደቅና ኣብ ቀርባና  ክነምህር ኢና እናበልና ብሃንቀዉታ ክንፅበ ፀኒሕና ሰበ ስልጣን ገዛኢ ዉድብ ቃሎም ዓፂፎም  ሕዚ ንካልኦት ንዩኒቨርሲቲ ኢና ክነጠናኽር ብምባሎም ስለ ዝተቓወሙ ሃፍቱ በርሀ ዝተበሃለ ተማሃራይ ተክኒክ ኮሎጅ ማይጨዉ ዝርከቦም 9 ወገናት ዝኣሰሮም እንተዘይ ፈቲሕዎም ህዝቢ እቲ ከባቢ ዝዓበይ ተቓዉሞ ንምክያድ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።