Sunday, September 7, 2014

ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ሃገርና ዝመሃሩ ተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት ዝተፋላለዩ ሕቶታት ብምልዓሎም ገዛኢ መደብ ኢህወደግ ኣብ ጭንቕንቕ ምህላዉ ተፈሊጡ።



   እሙናት ምንጭታትና ዝልኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኣብ ክልል ኦሮምያ  ከተማታት ኣምቦ፤ ጂማ፤ ኣዳማ፤ ሃረማያ፤ ወለጋ በቶም ተማሃሮ ካብ ዝተላዕሉ ሕቶታት፦ ኣብ ፆም ፍልሰታ ብኣስገዳድ ስጋ ክንበልዕ ምግዳድ ምፅራር ሃይማኖት እዩ፤ ኣብ ክልልና ኣብ መንጎ ተማሃሮ ዝፍጠሩ ግጭታት መንቀሊኡ ኢህወደግ እዩ፤ ብጠንቂ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ዝተቐተሉ ተማሃሮ ተወለድቲ ኦሮሞ ተሓታቲ ኢህወደግ ምዃኑ። እቶም ተማሃሮ ኣብ ዘለዓልዎ ሕቶ ምዝራቦም ኣረዲኡ።

    በተመሳሳሊ ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ ተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት ካብ ዘልዓልዎም ሕቶታት፦ ሽማግለታት ወላይታ ሰዶ ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ሕጋዊ መርትዖ የብሉን፤ ፅሬት ትምህርቲ ጠቕሊሉ የለን ካልኦትን ኮይኑ ብፍላይ መሬት ሃገርና ንዜጋታት ኣፈናቐልካ ስለ ምንታይ ንኢንቨስተራት ይዕደል ብምባል ሙሉጌታ ዝተብሃለ ተማሃራይ ዝተዛረቦ ንሓየለ ተማሃሮ ስምዒት ዝተንከፈ ከም ዝኾነ  ተገሊፁ።

ከምኡ’ዉን ኣብ ዩንቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተማሃሮ ካብ ዘልዓልዎ ሕቶታት፦ ኣብ ፍትሒ፤ ምእሳር ጋዜጠኛታት፤ ብፍላይ ከዓ ኣብ ደሴ ዝተቐትሉ ኢማም ሸኽ ኑር ብዕጡቛት ገዛኢ ዉድብ ዝተቐትሉ ምዃኖምን ካልኦት ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ዝፍትሹ ብርክት ዝበሉ ሓሳባት ብምልዓሎም ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ኣብ ጭንቅን ወጥርን ከም ዝርከቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።