Friday, September 12, 2014

ኣብ ወረዳ ዳሉል ዝርከቡ ሰራዊት ሰሜን እዝን ሰራሕተኛታት መንገዲ ኮንስትራክሽንን ብ24 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ኣብ ዘካየድዎ ምዝንጋዕ ንመስርሒ መዘከርታ መለስ ዜናዊ ገንዘብ ከዋፅኡ ንዝቐረበሎም ሓሳብ ከም ዝነፀግዎ።



ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ዳሉል ፍሉይ ሽሙ ሓመድ ዒላ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኮንስትራክሽንን ሰራዊት ሰሜን እዝን ብ24 ነሓሰ 2006 ዓ.ም ብዙሕ ወፃኢ ዝተገብረሉ ዓብዪ ምዝንጋዕ እንተካይዱ ዕዱም ጋሻ ኮይኑ ዝተረኸበ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ሚኒስተር ዲኤታ ብርሃነ ነጋሽ መዘከሪ መለስ ዜናዊ ዝኸዉን ክንሰርሕ ገንዘብ ነዋፅእ ክብል ንዘቕረቦ ሓሳብ ተቐባልነት ከም ዝሰኣነ ተገሊፁ።
እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣብቲ ምዝንጋዕ ክርከብ ዘገደዶ ቀንዲ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰራዊት ሰሜን እዝን ሰራሐተኛታት መንገዲ ኮንስትራክሽን ምክልኻልን ብቐፃሊ ደቂ ኣንስትዮን መስተን ዝመበገሲኡ ስለ ዝበኣሱ ነዚ ንምርግጋዕ ብሽም መለስ ዜናዊ ብሓባር ገንዘብ ኣዋፂኦም መዘከርታ ክሰርሑ ጎስጓስ ከካይድ ኣብ ዝጀመረሉ እቶም ክዘናግዑ ዝተኣከቡ ሰራዊት ኣብዚ ክንዘናጋዕ ‘ምበር ገንዘብ ክነዋፅእ ኣይመፃእናን ክብሉ ነቲ ሓሳብ ከም ዝነፀግዎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣብ ሰሜን እዚ ካብ ዝርከቡ መዓርጎም ሓለቓ ሓምሳ ዝኾኑ ናብ መሰልጠኒ መኮነናት ንክኣትዉ ብ27 ነሓሰ 2006 ዓ.ም ኣብ ዝተወሃቦም ናይ መፍለዪ ፈተና ሌላን ጉሌላን ዝተመልኦ ከም ዝነበረ ንግዳያት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ እቶም ናብ መኮነናት ዝሓልፉ ሰባት መፍለዪ ተባሂሉ ንሓለቓ ሓምሳ ዝመዓርጎም ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ዝተወሃበ ፈተና ንይምሰል ድኣ ‘ምበር ዝሓልፉን ዘይሓልፉን ኣቐዲሙ ዝተወደአ ብምንባሩ ነቶም ኣብ’ቲ ፈተና ፅቡቕ ዉፅኢት ዘመፅኡ ዝተፈላለየ ሽርሒ ተጠቒሞም ክተርፉ ስለ ዝገበርዎም እቶም ተበደልቲ ንግዕዙይ ኣሰራርሓ ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ብምረት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።