ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ
ፀገዴ ፍሉይ ሽሙ ግጨው ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብ23 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ኣብ ዘይመሬትካ ኣይትፅህን ኢኻ ብዝብል ብዝተፈጠረ ግጭት ምኽንያት ተወላዲ
ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ምልሻ ንገረዚሄር ለኣከ ዝተብሃለ ናይ ትግራይ ሓረስታይ ብጥይት ከም ዝቐተሎን እቲ ቀታሊ ምልሻ ድማ
ንግዜኡ’ኳ እንተተኣሰረ ዘድሊ ምፅራይ ከይተገበረሉ ቀልጢፎም ከም ዝፈትሕዎ
ተፈሊጡ።
ነዚ ፍፃሜ ዝተዓዘቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ መንጎ
ክልቲአን ክልላት ዘይቅኑዕ ኣተዓዳድላ መሬት ብምኽታል ኮነ ኢሉ ግጭት እናተፈጠረ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ቀፃሊ ናይ ብዙሓት
ሰባት ህይወት ክሓልፍ ይገብር ኣሎ ክብሉ ብምረት ይዛረቡ ከም ዘለው ተገሊፁ።
ካብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከይወፃና ቃሉ ኣላድር ዝተብሃለ
ኣባል ፌደራል ፖሊስ ኣንገረብ እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ሩባ ዝርከብ ቢንቶ ብ24 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ንሓንቲ መሰረት ውግኣዮህ
ዝተብሃለት ብንግዲ እትመሓደር ጓል ኣንስተይቲ ንብረታ መንዚዑ ንባዕላ ድማ ቀቲሉ ናብ ውሕጅ ከም ዝደርበያ ተሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ እታ ዝፈፀመቶ በደል ዘይብላ ንፅህቲ ጓል ኣነስተይቲ ግፍዓዊ ቅትለት ዝፈፀመ ኣባል ፌደራል ፖሊስ ዝተወሰዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ከም
ዘየሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።