Friday, September 12, 2014

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ንነጋዶ ግብሪ ክነጉድለልኩም ኢና እናበሉ ጉቦ ይበልዑ ከም ዘለው ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።




   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከተማ ጎንደር  ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ተመዲቦም ይሰርሑ ካብ ዘለው ንጉሴ ዋኘው ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ንነጋዶ ግብሪ ኣብ ምኽፋል ክጎድለልኩም እየ እናበለ ልዕሊ 200 ሽሕ ብር ጉቦ ከም ዝበልዐ ተፈሊጡ።

   እቶም ነጋዶ ጉቦ ከይከፈልና ናይ ንግዲ ስራሕትና ክነሳልጥ ኣይክኣልና ብምባል ነቲ ኣብ ጉቦን ግዕዝይናን ተዋፊሩ ዘሎ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኣብ ዝኸሰስሉ እዋን እቲ ስርዓት ዝኾነ ስጉምቲ ስለ ዘይወሰደሉ ነጋዶን ነበርቲ እቲ ከባብን መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ካብቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 
  ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኢህወደግ ብሙሱና ዝጠልቀዩ ስለ ዝኾኑ ኣብ ትሕቲኦም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ውን ጉቡእ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘይህቡ ጉቦኛታት ምዃኖም ኣገንዚቡ።