Monday, September 22, 2014

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ ናይ መበል 24 ክፍለ ሰራዊት ኣብ ከተማ ኣትዮም ኣብ ሞንጉኦም ብዝፈጥርዎ ዘለዉ ግጭት ህይወት ንፁሃት ዜጋታት ለኪሞም ይቃተሉ ብምህላዎም ነበርቲ መረረቶም ገሊፆም።



   ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር  ፀጥታ እቲ ከባቢ ክሕልዉ ተባሂሎም ዝተዋፈሩ  ናይ መበል 24 ክፍለ ሰራዊት ዝኾኑ  ወተሃደራዊ ፖሊስ (ዎፖ) ብ1 መስከረም 2007 ዓ/ም ኣብ ሆቴል ውሽጢ ምስ ዝረኸብዎ ወተሃደር ተጋጭዮም ብዝተኮስዎ ናይ ኢድ ቦምባ ንባዕሎም ሓዊስካ ክልተ ንፁሃት ዜጋታት ለኪሞም ስለ ዝሞቱ ነበርቲ እታ ከተማን ሰብ ውልቀ ትካላትን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ዘለዎም ፅልኣት ናብ ዝኸፈአ ገፁ ኣምሪሑ ምህላዎም  ተፈሊጡ።

      እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ጠንቂ ናይ’ቲ ሓደጋ ሓለቓ ሓምሳ ሰለሙን ዝተብሃለ ወተሃደራዊ ፖሊስ (ዎፖ)  ንሓደ  ምስ ሙሉእ ዕጥቁ  ኣብ ሆቴል መስተ ክሰቲ ንዝረኸቦ ገበየህ ንዝተበሃለ  ወተሃደር ምስ ዕጥቕኻ  ናብ ሆቴል ምእታው ኣይፍቀድን ዉፃእ ክብል ንዘውረደሉ ትእዛዝ ብምቅዋሙ ክወቕዖ ስለ ዝተሃንደደ ወተሃደር ገበየህ ዓርሱ ንምክልኻል ብዝተኮሶ ናይ ኢድ ቦምባ ንባዕሉን መባእስቱን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆቴል ዝነብሩ  ክልተ ሲቪላት ለኪሞም 4 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሓለፉ ኣገንዚቡ።

ወተሃደራት ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ሓለፍቶም ብዝኽተልዎ ከፋፋሊ ኣካይዳ ኣብ ዉሽጦም ዝኾነ ይኹን ብፃያዊ ሓልዮትን ምርድዳእን ብዘይምህላዉ ክብሮም ንምሕላዉን ብጥቕመይ ጥቕምኻን  ቀፃሊ ከም ዝቃተሉ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣፍሊጡ።እእ