Monday, September 22, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ታሕታይ ኣርማጭሆ ከባቢ ኣብራሃ ጅራ ዝነብር ህዝቢ ዓመፅን ዕግርግርን ኣልዒሉ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



     ብመሰረት እቶም ምንጭታት ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣርማጭሆ ፉሉይ ሽሙ ኣብርሃ ጅራ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝነብር መላእ ሕብረተሰብ መበገሲኡ ዘይተፈልጠ ብ4 መስከረም 2007 ዓ/ም ዕግርግርን ህወከትን ከም ዘልዓለ ድሕሪ ምግላፅ ነዚ ዝተልዓለ ዓመፅ  ንምክትታል ናይ ክልል ኣምሓራ ምክትል ደህንነት ኣይተ ወልደ ምሕረት ኣባይ ዝተብሃለ ልኡኽ ገዛኢ መደብ ብኣዴን-ኢህወዴግ ናብቲ ከባቢ ይጓዕዝ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ከባቢ ዳንሻን ዓዉደራፍዕን ክበፅሕ ብዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና  2 ርእሱ ከም ዝሞተ ተገሊፁ።
 
  እዚ ዝለዓል ዘሎ ህዝባዊ ዕግርግርን ዓመፅን ኣብ  ወረዳ ታሕታይ ኣርማጭሆ  ጥራሕ  ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ  ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፀገም ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ነቲ ዝፍጠር ዘሎ ህወከት ብእዋኑ ፍታሕ ዝገብር ኣካል ብዘይምህላዉ እቲ  ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝረአ ዘሎ ዘይምቅዳው እናተጋደደ ይመፅእ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ የረድኡ።