ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዞም ኣብ ዝተፈላለያ
ድሑራት ዝተበሃላ ወረዳታት ክልል ኣምሓራ ተመዲቦም ዝሰርሑ ብዓቕሚ ይጎድሎም ዝተበሃሉ ካድረታት ብኣዴን ዓቕሚ መዕበዪ ብዝብል
ጉልባብ ብላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ዉድብ ዝካየድ ዘሎ ዉድባዊ ስልጠና ኮይኑ ክሳብ 1 መስከረም 2007 ዓ/ም ክቕፅል ምዃኑ
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ስልጠና ካብ ነፍሲ ወከፍ ወረዳ ሓሙሽተ ካድረታት ተመልሚሎም ከተማ ባህር-ዳር ከም ዝኣተው ንምፋላጥ
ተኻኢሉ ኣሎ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ እቶም ብሕቡእ መፀዋዕታ
ዝተገብረሎም ናይ ወረዳታት ኣመራርሓ ቀንዲ መታኣኻኸቢኦ ኣብ 2007 ዓ/ም ንዝካየድ ወፍሪ ምርጫ መራሓቲ ኮይኖም ምእንቲ
ከተግብሩን ከታሓባብሩን ብምስጢር ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኮይኑ ካብ’ቶም ናብቲ ምስጥራዊ ኣኼባ ክሳተፉ ዝተፀውዑ ወረዳታት ንምጥቃስ
ካብ ዞባ ኣዊ 3ተ ወረዳታት፤ ካብ ዞባ ከምሴ ብሄረሰብ ኦሮሞ ድማ 2ተ ወረዳታት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።