ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና መሰረተ ልምዓት ካብ ዝበሃሉ ናይ ማይን
መብራህትን ከምኡ‘ውን ኣገልግሎት ስልኪ ብተደጋጋሚ ዘቋርፁ‘ኳ እንተነበሩ ናይ ሕዚ ግና ብዘይ ተፈለጠ ምኽንያት ንልዕሊ ክልተ
ሰሙን ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ኮይኑ ጠጠው ምባሉን ክሳብ ሕዚ
ፍታሕ ዘይምርካቡን ነበርቲ ከተማታት ጅግጅጋን ፊቕን መረረቶም የስምዑ ከም ዘለው ተገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምስ ኦጋዴን ብሄራዊ ሓርነት ግንባር
/ኦብነግ/ ምቅርራብን ምትሕቑቛፍን ኣለዎም ብምባል ንዝፈርሕዎም ንነበርቲ ናይታ ከተማ ናይ
ኢንተርኔት ኣገልግሎት ንከይረኽቡ ዓፅዮምዎ ከም ዘለውን ብተወሳኺ ድማ ነበርቲ ከተማ ፊቕ ምስ ተቓወምቲ ርክብ ኣለኩም
እናተብሃሉ በቲ ስርዓት ይእሰሩ ከም ዘለው ተፈሊጡ ኣሎ።