ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ዝመፅእ 2007 ዓ.ም ንኸካይዶ
ዝህዉትተሉ ዘሎ ምስሉይ መረፃ ዕንቅፋት ክኾኑኒ ይኽእሉ እዮም ንዝበሎም ሰላማዊ ቃልሲ ናይ ዘካየዱ ዉድባት ኣመራርሓን ኣባላትን
ንዝኾኑ ኣይተ ኣየለ ዝተበሃለ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ደጋ-ዳሞት ቅድም እንትብል ቅንጂት ምስ ዝተበሃለ ዉድብ ኣብ
ዝነበረሉ ቀንዲ መንቀሳቐሲ ዝነበረ፤ ኣይተ ጥላሁን ዝተበህሃለ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ናይ መኢኣድ ዋና ፀሓፊ ዝነበረን ካልኦት
ዘይተገለፁን ንፁሃት ወገናት ምስ ኣሸበርቲ ርክብ ኣለኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ምህላዎም ኣረዲኡ።
እዚ ከም’ዚ ዓይነት ፀረ ህዝቢ ኣካይዳ መግለፂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ነዚ እከይ ተግባሩ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ብዘይ ንሕስያ ኣጠናኺሩ
ይቕፅለሉ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።