Tuesday, September 16, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንልዕሊ 300 ሽሕ ዝኾኑ ናይ ላዕለዎት ትካላት ተምሃሮ ዕውት ሰሚናር ሂበ እናበለ ጉጀለ ኢህወደግ ዝገልፆ ዘሎ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዘይኮነ ንተሳተፍቲ ተምሃሮ መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ኣመልኪቶም።




    ብምሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ’ዚ ናይ ክራማት ወቕቲ ካብ ዝተፋላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንዝተኣኻኸቡ ተምሃሮ በቲ ገዛኢ መደብ ከካይደ ዝፀንሐ ኣኼባታት ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ከም ዝተጠናቐቐ ብሚድያታቱ ኢህወዴግ ዝግለፅ ዘሎ ብፍላይ ከዓ ብተለቭዥንን ሬድዮን ዝመሓላለፍ ዘለዉ ውሕዳት ንሃቱ ደገፍቲ ዝተዛረብዎ ድኣ እምበር ኣብቲ መድረኽ ዝነበሩ ሕቶታትን ነቐፌታትን ከም ዘይነበሩ ኣምሲሎም ዓቢጦም ክሓልፉ ዝተዕዘቡ እቶም ተምሃሮ ስለ ምንታይ እቲ ዝነበረ ኩነታት ብትኽክል ዘይግለፅ ብምባል ተቓውምኦም ይገልፁ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።

እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬውታ ኣስዒቡ ኣብቲ መድረኽ በቶም ተምሃሮ ዝተልዓሉ ዝተፋላለዩ ሕቶታትን ሪቶታትን ዝፍፀም ዘሎ ፀገማት መሪሕነት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ክንዲ ኣዕጋቢ ምልሲ ምሃብ ነቲ ኣብቲ መድረኽ ዝነበረ ሓያል ክትዕን ፍጥጥን ከም ዝነበሮ ኣብ ሚድያ ከይኣንፀባረቕካ ጎሲኻ ምሕላፍ ልሙዳት ጠባያት እቲ ጉጅለ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።