Tuesday, September 16, 2014

ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ በረኸት ኣብታ ከተማ ዘለዋ ክልተ ኮሚቴታት ካብ ህዝቢ ኣጭበርቢረን ብዝእክብኦ ገንዘብ ነባሪ ህዝቢ መረረቱ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ በረኸት ዝርከባ ዓባይን ንእሽተይን ተባሂለን ብምሕዳር ዝቖማ ክልተ ኮሚቴታት ሓለፍቲ ናይ’ዘን ኮሚቴታት ኣባላት እቲ ገዛኢ ዉድብ ኮይኖም ካብ ህዝቢ ዝኣከብዎ ገንዘብ ንልምዓት እታ ከተማ ክውዕል እናተገብኦ ኣብ ውልቃዊ ጥቕሞም የውዕልዎ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ነባሪ ህዝቢ ድማ በዚ ተማሪሩ ገንዘብና ኣብዚ ኣትዩ ብዘይብሃል ይጠፋፋእ ኣሎ ብምባል ነተን ኮሚቴታት ኣብ ዝኸሰሰሉ እዋን በቲ ምምሕዳር  ዝተወስደ ስጉምቲ ከም ዘየለ ንይምሰል ግን ንሓደ ሃይለ ገብረገርግስ ዝተብሃለ ተታሒዙ ከም ዘሎ ተገሊፁ።