Tuesday, September 16, 2014

ኣብ ጎደናታት ከተማ ዓዲ-ግራት መብራህቲ ስለ ዘይብሎም ብለይቲ ናብ ስራሕ ዝንቃሳቐስ ሕብረተሰብ ይፅገም ከም ዘሎን ሰብ ትካላት ድማ ብለያቡ ትካላቶም ይስረቕ ምህላዉ ተገሊፁ።



ብሕፅረት ሓይሊ መብራህቲ ይሳቐያ ካብ ዘለዋ ከተማታት ሃገርና ሓንቲ  ዝኾነት ከተማ ዓዲ ግራት ኣብ’ታ ከተማ ብዘሎ ፀገም ናይ ጎዳናታት መብራህቲ ኣብ ምንቅስቓሱ ዝተፀገመ ህዝቢ ብለይቲ ናብ ስራሕ ኣብ ዝወፍረሉ እዋን መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰረቕቲ እናተዓፈኑ ንብረቶም ይስረቁ ምህላዉ  ተፈሊጡ።

በዚ ፀገም መብራህቲ ጎደና ግዳይ ካብ ዝኾኑ ኣብነት ንምጥቃስ፦ ቀሺ ገብረሃንስ ዝተብሃሉ ዜጋ ናብ ቤተክርስትያን ይኸድሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን መንነቶም ዘይተፈለጡ ሰባት ኣብ ፀልማት ተኸዊሎም ብምፅናሕ ወቒዖም ሓደጋ ኣዉሪደምሎም ምስ ሃደሙ ክሳብ ሕዚ ብፖሊስ ዝተገበረ ምክትታል ይኹን ምፅራይ ከም ዘየለ እቲ ሓበሬታ ገሊፁ።