ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብቲ ኣብ ከተማ
ኣክሱም ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ናይ ዞባ ሴ/ምዕራብ፤ ዞባ ማእኸልን ምዕራብን ርእሰ መምህራን፤ መምህራንን ካልኦት ሙሁራትን
ዝሳተፍዎ ዘለዉ ኮይኑ ነቲ ኣኼባ ይመርሖ ዘሎ ሓዱሽ ዘነበ ዝተብሃለ ካብ ክልል ዝተለኣኸ በዓል ስልጣን ኮይኑ ዕላማ ናይ’ቲ
ኣኼባ ድማ መምህርን ምስ ተመሃሮ ብዘለዎም ቅርበትን ርክብን ተጠቒሞም ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካይድ መረፃ ንህወሓት ክመርፅ ክጉስጉሱ ካብ 18 ንታሕቲ ዕድመ ዋላ ይኹን ዕድሚኡ እኹል ከም
ዝኾነ ገይርካ ብምምዝጋብ ናብ መረፃ ክቐርቡ ከም ዘለዎም ዝዓለመ ምዃኑ ተፈሊጡ።
በዚ መንገዲ እቶም መምህራንን ርእሰ መምህራንን
ኣብ እዋን መረፃ ብወገን ተምሃሮ ናዕብታት ከይልዓል ዕቱብ ክትትል ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣብ ጎኒ እቲ ገዛኢ መደብ ደው ክብሉ
ዝዓለመ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ እዚ ድማ እቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ዝተሓላለኹ ፀገማት ዝፈጠሮም ሕቶታት ህዝባዊ ናዕቢ
ከይልዓል ኣብ ከቢድ ስግኣት ስለ ዝወደቑ ነዚ ከመይ ገይሮም ከም ዝዕወትሉን ብኸመይ ከም ዝሰግርዎን ዝኣልምዎ ዘለዉ ሽርሒ
ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።