ብመሰረት’ት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ
ከተማ እንዳ-ባጉና ከባብኣን ዝርከቡ ተምሃሮ ብ6 መስከረም
2007 ዓ/ም ናብ ምክልኻል ሰራዊት፤ ፈደራል ፖሊስን መደበኛ
ፖሊስን ንኽኣትዉ ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ የገድድዎም ’ኳ እንተሃለዉ
እንተኾነ እቶም ተምሃሮ ምስ ስድርኦም ብምዃን
ንሕና እንመሃር ዘለና ናብ ውትህድርናን ፖሊስን
ክንኣቱ ኣይኮነናን ክብሉ ተቓውሞኦም ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እዞም ኣምሓደርቲ ነቶም ናብ ውትህድርና ኣይንኣቱን ንዝበሉ ተምሃሮ ንምትላል ክብሉ መንግስቲ
ኣብ ውሽጢ ምክልኻልን ፖሊስን ምስ ኣተኹም ዝለዓለ ሞያን ሓለፍነትን ከትሕዘኩም እዩ እናበሉ
ይጉስጉስዎም’ኳ እንተለዉ እቶም ተምሃሮ ግን ቅቡል ከም ዘይገበርዎ ተገሊፁ።