Saturday, September 20, 2014

ሰበ ስልጣን ህወሓት ብ6 መስከረም 2007 ዓ/ም ብክልል ደረጃ ንሓለፍቲ ቤት ክህነት ኣብ ከተማ መቐለ ኣኪቦም መፃኢ መረፃ ንኢህወደግ እንተዘይመሪፆም ሃይማኖታዊ ግጭት ከጋጥም ከም ዝኾነ ክጉስጉሱ ምቕናዮም ተፈሊጡ።



እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ዘሎ ኣኼባ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሓለፍቲ ቤተክህነት ኣገልገልቲ ሰበ ስልጣን ህወሓት ህፁፅ ኣኼባ ብምፅዋዕ ኣብ 2007 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ መረፃ  ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ንዉድብ ኢህወደግ ንክምረፅ ክሰብካን ናይ ገዛእ ርእሰን ኣበርክቶ ክገብራ ከም ዘለወንን ዝኾነ ከሃን ብኣባት ነብስነት ንዘገልግሎ ሕድ ሕድ ሰብ ንኢህወደግ ክመርፅ ኣብ ምግባር ጥቡቕ ስራሕ ክፍፅሙ ትእዛዛዊ መደብ ከም ዘወረድሎም ገሊፁ።

እቲ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ቴድሮስ ሓጎስ ዝምራሕ ኮይኑ ከም ኣበሃህልኡ ድማ ህዝቢ ንዓና እንተዘይመሪፁ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ብተቓወምቲ ውድባት ከቢድ ግጭት ከም ዝፍጠር ብምግላፅ ኣብ ዝካየድ መረፃ ህዝቢ ግድን ንወያነ ክምረፅ ሓለፍቲ ቤት ክህነታት ኣብ ዝተፋላለየ ኣጋጣምታት እናተረኸብኩም ጎስጓስ ግበሩ ዝብል ከም ዝነበረ ክፍልጥ ተኻኢሉ።

ከም ኣገላልፃ እቲ ሓበሬታ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ መደብ ኢህወዴግ ነቲ ፖሎቲካን ሃይማኖትን ነንበይኑ እዩ ኢሉ ኣብ ሕገ-መንግስቲ  ዘቐመጦ ንጎኒ ጎስዩ ሕዚ ብመንገዲ ሃይማኖት ኣቢሉ ፖሎቲካዊ ጎስጓስ ክካየድ መምርሒ ምዉራዱ ንዝቡዕ ኣካይድኡ ዘግህድ ተግባር ምዃኑ ኣቃሊዑ።