Thursday, September 18, 2014

ኣብ ትሕቲ ወረዳ ናዕዴር ዓድየት ዝርከባ 4ተ ጣብያታት ዝነብሩ ወገናት ምምሕዳር ወረዳ ርሕቕዎም ንክፍትሓሎም ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ ብምስኣኖም መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።



ካብ’ቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ’ቲ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ጣብያታት፦ ኣበባ የውሃንስ፤ ላዕላይ ኣእዱግ፤ ሰሪሕኻ ብላዕ፤ ናትካ ብላዕን ዝነብር ሕብረተሰብ ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ማእኸል ቤት ፅሕፈት እታ ወረዳ ናብ ዝኾነት ዕሸል ከተማ ሰመማ ክኸዱ ጥራሕ ክሳብ 6 ስዓት ክጓዓዙ ይግደዱ ብምህላዎም ነዚ ፀገሞም ፍታሕ ንኽግበረሎም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ዘቕረብዎ ሕቶ ኣወንታዊ ምላሽ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ኣመልኪቱ።
     ነበርቲ እዘን ጣብያታት ምምሕዳር ወረዳ ናብ ላዕላይ ማይ ጨዉ ክቕየረሎም ምኽንያቱ ከዓ ማእኸል ቤት ፅሕፈት ናይ’ቲ ወረዳ ዝኾነት ከተማ ኣክሱም ናብ’ተን ጣብያታት ዘለዋ ርሕቐት ከባቢ ሰዓትን ፈረቓን ብእግሪ ዝወስድ ምዃኑ ተፈሊጡ ካብ ዘይተደለየ ወፅእታትን ምብኻን ግዜን ንኽድሕኑ ምትዕርራይ ንኽግበረሎም ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ እንተኾነ ካብ ዝሓቱ ልዕሊ 8 ዓመታት ኣቑፂሮም ፍታሕ ስለ ዘይተገበረሎም መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።
    ዝምልከቶም ኣካላት ምምሕዳር ፀገም ህዝቢ ቀዳመነት ሂቦም ኣብ ክንዲ ፍታሕ ምግባር ንዓና ጥራይ ይጥዓመና ብምባል ኣብ ወልቃዊ ረብሓታቶም ተዋፊሮም ዝኽተልዎ ዘለዉ ዝንቡዕ ምሕደራ ኣብ ኣክሱም ተኣኪቦም ኣብ ዝቐነዩ ተማሃሮ ዩንቨርሲቲ ብሰፊሑ ተላዒሉ እኳ እንተነበረ ኣመሓደርቲ እቲ ዞባ ተቓዉሞን ዕግርግርን ከይለዓል ብምስጋእ ንክሰትኻኸል ከም ዝተወደአ ኣምሲሎም ዘደናግር መልሲ ብምሃብ ከም ዝሓለፍዎ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣፍሊጡ።