Thursday, September 18, 2014

ኣብ ምሉእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝርከቡ ወተሃደራት ነበር ምስ ተቓውምቲ ውድባት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ሰበብ ግብሪ ሓይሊ ብዝብል ብዝተመደቡ ዕሱባት እናተሃደኑ ይእሰሩ ምህላዎም ተገሊፁ።



    ቅድም ክብል ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ኮይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምፅናሕ ብዝተፈላልዩ ምኽንያታት ካብ’ቲ ውትህድርና ወፂኦም ወልቃዊ መነባብሮኦም ዝመርሑ ዘለዉ ንፁሃት  ዜጋታትና በቲ ገዛኢ መደብ ብዝተዋፈሩ ግብሪ ሓይሊ እናተሃድኑ  ይእሰሩ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ምኽንያት  መእሰሪኦም ድማ ንስኹም ኣብ ውሽጢን  ወፃእን ኮይኖም ዕጥቃውን ፖለቲካውን ቃልሲ ምስ ዘካይዱ ተቓወምቲ ውድባት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ጥርጣረ ምዃኑ ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ከም ዘረድኦ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ኣብ ህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነት ጠቕሊሉ ስለ ዘንቆልቆለ። ኣብ 2007 ዓ/ም ከካይድዎ ዝወጠንዎ ምስሉይ መረፃ ከተዓናቕፉና ይኽእሉ’ዮም ዝበልዎም ወተሃደራት ነበር ብኣልማሚት ይኣስርዎም ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ዛጊድ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ 120 ዝኾኑ ወተሃደራት ነበር ታጠቕ ኣብ ዝተብሃለ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ሓደ ገበን ዳጒኖም የሳቕይዎም ከም ዘለዉ ገሊፁ።