Thursday, September 4, 2014

ብክረምታዊ ዕርፍቲ ናብ ዓዶም ዝተመለሱ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሃገርና ካብ ድሌቶም ወፃኢ ብሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ፖለቲካዊ ስልጠና ክወስዱ ይግበር ከም ዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና በቲ ስርዓት ተገዲዶም ኣብ ስልጠና ዝቐነዩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሃገርና ነቲ ስልጠና ይቃወምዎ ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ። ብፍላይ ድማ ኣብ መቐለ ዘለው ሰልጠንቲ ተምሃሮ ነቲ ኣብ መኽፈቲ መዓልቲ ዕላማ ናይቲ ስልጠና ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ምስ ተነገሮም ስለ ዘይደገፍዎ ኣብ ዕረፍቲ ግዜና ብዘይ ኣበል ኣይንስልጥንን ክብሉ ኣብዮም ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ።

       እንተኾነ ግን እቲ ገዛኢ መደብ ህወሓት-ኢህወዴግ ብዕሱባት ኣክበርቲ ፀጥትኡን ካድረታቱን ኣፈራሪሑ ናብቲ ስልጠና ክኣትዉ ዝገብረ እንተኾን ዝተወሰኑ ተምሃሮ ግን ክሳብ ሕዚ ኣይንስልጥንን ኢሎም ዝኣበዩ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ስልጠና ብነባር ተጋዳላይ መኮነን ኣስፋው ዝተብሃለ ናይ ዞባ መቐለ “እቶት” ሓላፊ ዝተኻየደ ኮይኑ ንሱ ከም ስልጠና ኢሉ ካብ ዘቕረቦም ዝተወሰኑ ውድብ ህወሓት ካብ 1968 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ከመይ ኢሉ ከም ዝመፀ ብዝተፈላለየ ፊልምታትን ፅሑፋትን እናተሓገዘ ሰማዒ ዘይብሉ ንበይኑ ክህውትት ከም ዝቐነየ ተፈሊጡ።

     ኣብቲ መድረኽ በቶም ተምሃሮ ካብ ዝተልዓሉ ገለ ሕቶታት ንምጥቃስ ድማ፦
1. እቲ ኩሉ ብህዝቢ ትግራይ ዝተሰርሐ ታሪኽ ንምንታይ ከም ዝተፈፀመ ትፈልጥዎ ‘ዶ?
2. ንምንታይ ኢኹም መረፃ እንትቐርብ ዝሓለፈ ናይ ውድባዊ ታሪኽ እናበልኩም ትሰብኩ?
3, ታሪኽ ውድብ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከመይ ጌርኩም ንስኹም ትነግርዎ?
4, ትእምት እናበልኩም ትፅውዕወን ዘለኹም ትካላት ብቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተረኸባ ሕዚ ናይ መን እየን? መንከ ይጥቀመለን? ዝብሉን ካልኦታትን ሕቶታት ዝተልዓሉ እንትኾኑ ብናይቲ መድረኽ መራሒ ዝተወሃበ መልሲ ኣብ ባይታ ዘየለን መደናገሪን ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።