Sunday, September 14, 2014

ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ንዝስራሕ ምንፃፍ እምኒ ኮቡልስቶን ተወዳዲሮም ክሰርሑ ዝደልዩ ብማሕበር ዝተወደቡ ተጋደልቲ ነበር እቲ ምምሕዳር ክሰርሑ ስለ ዘይደልዮም ኣብ ዩንቨርሲቲ ዝተመረቑ ጥራሕ እዮም ዝሰርሕዎ ብምባል ከም ዝኸልከሎም ተገሊፁ።



እቶም ተጋደልቲ ነበር ድማ ንሕና ምእንቲ እዛ ሃገርን ህዝብን ሰንኪልናን ተጎሳቕልናን እናሃለና ሰሪሕና ክንበልዕ ስለ ዝበልና ምምሕዳር ከም ፀላእቱ ቆፂሩ ንኸይንሰርሕ ምሁራት ዩንቨርስቲ ጥራይ ይስርሕዎ ብምባል ዓፅዩና ብምባል መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
ብጀካ እዚ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዘሎ ሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ ዓመታት ዘቑፀረ እኳ እንተኾነ ዝምልከቶም ኣካላት ቆላሕታ ሂቦም ፍታሕ ስለ ዘይገብርሉ ነባሪ ህዝቢ ማይ ንምርካብ ኪሎ ሜትራት ተጓዕዙ ዘምፅኦ ፅሬቱ ዘይሓለወ ብምዃኑ ህፃናት ብማይ ወለድ ሕማማት ተለኺፎም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።