Saturday, September 20, 2014

ኣብ ከተማ ማይ-ፀብሪ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ፖሊስ ብስርቂ ኣመኽንዮም ንዝኣስርዎም ንፁሃት ወገናት ብሕሱም መግረፍቲ ይቀትሉ ምህላዎም ተፈሊጡ።



ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ፀለምቲ ከተማ ማይ ፀብሪ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ተመዲቦም ዝሰርሑ ዘለዉ ኣዘዝቲ ፖሊስ ዘለዎም ስልጣን ሓላፍነት ህዝቢ ንምግልጋልን ልዕልና ሕጊ ንምርግጋፅን ዘይኮኑ ዘዉዕልዎ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ገዛኢ መደብ ህወሓት-ኢህወዴግ ብፖለቲካ ዓይኒ ንዝጠርጠርዎም ሰባት ሽርሕታት ኣዳልዮም ገበን ዝፈፀሙ ኣምሲሎም ንዝኸሰስዎም ሰባት ኣብ ዘይወዓልዎ ገበን ንኽኣምኑ ብሕሱም ብምግራፍ ክሳብ ሞት ዝበፅሕ ከቢድ ጉድኣት የዉርዱ ምህላዎም ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም።
ካብ’ቶም ተወሳኺ ዕቤት ማዕርግ ንምርካብ ብህይወት ንፅሃት ወገናት ዘላግፁ ዘለዉ ሽሞኛታት ፖላዊስ ከተማ ማይ ፀብሪ ሓደ ምክትል ኮማንደር ፍስሃ ገብረመስቀል ዝተበሃለ ኮይኑ ንሱ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ጥርጣረ ክሪእዎም ንዝፀንሑ ክልተ ሰባት ብ2 መስከረም 2007 ዓ.ም ስሪቖም ክብሉ ስለ ዝኸሰስዎም ሕጊ ካብ ዘፍቅዶ ወፃኢ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣዉዒሉ ብበትሪ ይቕጥቅጦም ኣብ ዝነበረሉ እቲ መግረፍቲ ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾኖ ሓጎስ ኣለበል ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ኣረዲኡ።
እንተኾነ ግን እቲ ዝፈፅምዎ ገበን ዘይብሎም ኢሰብኣዊ ብዝኾነ መንገዲ ሰባት እናገረፈ ዝቐትል ዘሎ ሽሞኛ ፖሊስ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕልኡ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብዘይምህላዉ ነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንፅሃት ደቂና እናቐጠቀጠ ዝቐትልን ዘስንክልን ዘሎ ፖሊስ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ክሕተት ኣለዎ ኣብ ምባል ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ።