እታ ናይ መበል 8ይ መከናይዝድ ኣሃዱ ማዕበል ዝኾነት ብኮድ
መከ-02607 እትልለ ኦራል ዝዓይነታ ወተሃደራዊት
መኪና ብ25 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ኣብ ኣኼባ ዝወዓሉ መኮንናት
ልዕሊ ዓቕማ ፂዒና ካብ ዓዲ ሃገራይ ናብ ማይ ሑፃ ዝተበሃለ ቦታ እናተጓዓዘት እንከላ ተገልቢጣ
ኣብ ልዕሊ እቶም ተሳፈርቲ ናይ ሞትን መቑሰልት ሓደጋ ከም ዝወረደ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ካብ’ቶም ተሳፈርቲ በቲ ዝወረዶም ሓደጋ 15
ወተሃደራት ሽዑ ንሽዑ ክመቱ እንከለዉ ልዕሊ 14 ድማ ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎም ኣብ ሆስፒታል ምእታዎም ድሕሪ ምግላፅ ጠንቂ
ናይዚ ሓደጋ ድማ ብሰንኪ ሸለልትነትን ልዕሊ ዓቕማ ወተሃደራት ክትፅዕን ስለዝተገብረን ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ከባቢ ብመኻይን
ዝወርድ ሓደጋ ልሙድ
ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቶም ወተሃደራት ህይወት ዜጋታት ኣይግደሱን ዝብል ወግዒ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ብሰፊሑ ይጋዋሕ
ምህላዉ ካብተን ኣሃዱታት ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።